ኣብ ማሊ ብእተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ፡ ካብ ስልጣኑ እተባረረ፡ ፕረዚደንት ነበር፡ ኢብራሂም ኣቡበከር ኬይታ፡ ኣብ መበል 76 ዕድሜኡ ከም ዝዓረፈ ስድራቤቱ ገሊጾም።
ኬይታ፡ ካብ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣትሒዙ ብወቕዒ ይሳቐ ከም ዝነበረ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ ምኽንያት መሞቲኡ ግና ዛጊት ኣይተነጸረን ኣሎ።
ንሱ ኣብ ከተማ ባማኮ ከም ዝሞተ ሓደ ኣባል ስድራቤቱ ን ወኪል ዜና AFP ሓቢሩ’ሎ።
ኣብ ማሊ ዝነበረ ኣታሕዛ ጂሃዳውያንን ቊጠባዊ ቅልውላውን ምኽንያት ብምግባር ህዝቢ እታ ሃገር ድሕሪ ዝገበሮ ናዕቢ፡ ካብ ስልጣን እተኣልየ ኬይታ፡ ንማሊ፡ ክሳብ 2020 ንሸውዓተ ዓመታት ብፕረዚደንትነት ከም ዝመርሓ ዝፍለጥ እዩ።
ንሱ ካብ 1994 ክሳብ 2000 ዓ.ም. ፕረዚደንት ሰልፊ ማሕበርነትን ፕረዚደንትን እታ ሃገርን ብምዃን ንሰላሳ ዓመታት ዝኸውን ፖለቲካዊ ህይወት ከም ዘሕለፈ BBC ወሲኻ ሓቢራ’ላ።