25 ዝዕድሜኣ ማሊያዊት: 9 ቆልዑ ተገላጊላ። ዶክተራት ኣቐዲሞም ብመመርመሪ መሳርሒኦም 7 ቆልዑ ከም እትወልድ እኳ ሓቢሮሟ እንተነበሩ ክልተ ተወሲኾሞም: 9 ከም እተገላገለት ተገሊጹ።
እዛ ሓሊማ ሲሰ ዝተባህለት መንእሰይ: መንግስቲ ማሊ ብዝገበርላ ፍሉይ ክንክን እያ ኣብ ሆስፒታል ሞሮኮ ሓሪሳ ዘላ። በዓልቤታ ኣዝየ እየ ተሓጒሰ ዘለኹ: ደቀይ (ኣርባዕተ ኣወዳትን 5 ኣዋልድን) እውን ጽቡቕ እዮም ዘለዉ ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ’ሎ።
ኣብ 2009 ኣብ ኣመሪካ ሸሞንተ ቆልዑ ዝተገላገለት ኣደ: ኣብ መዝገብ ክብረወሰን ዓለምና ሰፊራ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ: ሕጂ ማላዊት ሓሊማ: ዝበዝሑ ህያዋን ቆልዑ ብሓደ ሳዕ እተገላገለት ጓላንስተይቲ ክትበሃል እያ። ሚኒስተር ጥዕና ማሊ ነዚ ዘሐጒስ ኣጋጣሚ ክዉን ብምግባሮም ንኣሃዱ ጥዕና ማሊን ሞሮኮን እንቋዕ ሓጎሰኩም ኢልዎም ኣሎ።
ሓሊማ ሽውዓተ ቆልዑ ክትገላገል ምዃና ኣብ ዝንገረሉ ዝነበረ እዋን እውን ከይተረፈ ኣብ ማሊ ዓባይ መዘራረቢ ኣርእስቲ እያ ኔራ። ዶክተራት እታ ሃገር እዞም ቆልዑ ድሕሪ ምውላዶም ብህይወት ናይ ምቕጻል ዕድሎም ከሻቕሎም ጸኒሑ’ሎ። እንተኾነ መንግስቲ ኣብዚ ጒዳይ ጣልቃ ብምእታው: ጒዳይ ጥዕናኣ ኣብ ሞሮኮ ክትከታተል ድሕሪ ምግባሩ: ኣብ ሓሙሻይ ሰሙና ነዚ ኣገራሚ ሕርሲ ከም ዝፈጸመት ይግለጽ ኣሎ።