መንግስቲ ሽወደን ነቲ ዓማዊል ዘጋጥሞም ዘሎ ፋይናንሳዊ ምትላል ንምዕጋት ኣብ ኦንላይን ዝግበር ሕጊ ክፍሊት ከትርር ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ። ሚኒስተር ዕዳጋ ገንዘብ ንተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ቃል ዓማዊል ብሰንኪ ዝተዳኸመ ናይ ክፍሊት ፍታሕ ኣብ ኦንላይን ይታለሉ ምህላዎም ይገልጽ። በዚ ድማ መንግስቲ ካብ ባሕቲ ሓምለ ዝመጽእ ዓመት ጀሚሩ ነዚ ሽግር ዝፈትሕ ቢል ኣብ ምድላው ከም ዝርከብ ሓቢሩ።
ብዙሓት ዓማዊል ብስንኪ ኣቐዲሙ እተወሰነ ናይ ዕድጊ ኣገባብ ከምኒ ወለድን ዕርቡንን ዝመሰሉ ተወሰኽቲ ወጻኢታትን ንኽገብሩ ይግደዱ ምህላዎም ብምምልካት መንግስቲ ነዚ ናይ ቢል ሓሳባት ከተኣታቱ ምድራኹ ኣመልኪቱ። ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብኦንላይን ዝግበር ሸመታ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓዘዘ ክመጽእ ምጽንሑ ድማ ተመልኪቱ።