መንግስቲ ሽወደን ንሓገዝ ሚኒስትሪ ባህልን ስፖርትን ሽወደን ተባሂሉ 1 ቢልዮን ክሮነር ሂቡ። ካብዚ ተዋሂቡ ዘሎ ገንዘብ እቲ 500 ሚልዮን ብቐጥታ ናብ’ቲ ባህላዊ ጉዳያት ክኸይድ ምዃኑ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ባህልን ስፖርትን ሽወደን፡ ኣማንዳ ሊንድ፡ ገሊጻ። እዚ መንግስታዊ ድጎማ ንሓገዝ ባህልን ስፖርትን ሽወደን ዝውዕል ኮይኑ እዚ ድማ ድሕሪ እቲ ልዕሊ 500 ሰብ ክእከብ ኣይፍቀድን’ዩ ዝብል ሕጊ ድሕሪ ምውጽኡ ከምዝኾነ እታ ሚኒስተር ሎሚ ኣብ ዝገበረቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ መብርሂ ሂባ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን በዓል መዚ ጥዕና ንለባዳ ክሮና ቫይረስ ንምቁጽጻር ተባሂሉ ዝኾነ ዓይነት ልዕሊ 500 ተሳተፍቲ ዘለዎ ስፖርታውን ባህላውን ንጥፈታት ደው ክብል ዝብል መምርሒ ከምዘመሓላለፈ ይዝከር። መብዛሕትኦም ኣብ ባህላዊ ጉዳያት ዝሰርሑ ሰባት በዚ ጉዳይ ተሃስዮማ ይርከቡ። ምኽንያቱ ስርሖም ነጻን ብውዕል ስራሕ ዝተቀየደ ብዘይ ምዃኑ።