ሚኒስተር ፍትሒን ውሽጣዊ ጒዳያትን ሞርጋን ዮዋንሶን፡ ብጸቢብ ካብ ናይ ባዶ ምትእምማም ድምጺ ምድሓኑ ተገሊጹ። ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ፡ ኣቐዲሙ ዝኣተወላ ቃል ከኽብር ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ፡ ጸጋማዊ ሰልፊ ነበር፡ ከምኡ’ውን ኣባል ባይቶ ኣሚና ካካባቬ እወ ኢላ ዘይምድማጻ እውን ተፈሊጡ። ድሕሪዚ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ማግዳሌና ኣንደርሾን ን ጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ን ካካበቬ ኢሎም ዝገበርዎ ምንም ሕድገትት ዘይምህላዉ ኣመልኪታ።