ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን ኤልሳቤጥ ስቫንሰን ካብ ኣባላት ባይቶ ንዝቐርበላ ሕቶታት ንምምላስ ነዊሕ ግዜ ትወስድ እያ ብምባል
ተገዚዛ። ብርክት ዝበሉ ኣባላት ባይቶ፥ ብጽሑፍ ንዘቕረቡላ ሕቶታት ን ልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ከይተመለሰሎም ምሕላፉ ገሊጾም
ኣለዉ። ኣባል ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲን ኣቦመንበር ኮሚተ ቀረጽ ባይቶን ኒከላስ ካርልሰን፥ ነዚ ነቐፌታ ካብ ዘቕረቡ ኣባላት
ባይቶ ሓደ እዩ። ኣብ 19 መጋቢት፥ መንግስቲ ካብ ቀረጽ ክኽወሉ ንዝሓስቡ ኣመልኪቱ ሓድሽ ሕጊ ከውጽእ ይሓስብ ኣሎዶ የሎን
ንምፍላጥ፥ ናይ ጽሑፍ ሕቶ ናብ ሚኒስተር ስቫንሰን እኳ እንተለኣኸ፡ ሕቶኡ ክሳብ ሕጂ ምላሽ ዘይምርካቡ ኣመልኪቱ።
ብመሰረት ሕጊታት ባይቶ ሽወደን–ሪክስዳግ–፥ ሚኒስተራት ካብ ኣባላት ባይቶ ንዝቐርበልም ሕቶ እንተነውሐ ኣብ ውሽጢ
ክልተ ሳምንታት፥ ብጽሑፍ ወይ ድማ ኣብ ጒባኢ ብመልክዕ ክትዕ መልሲ ክህብሉ ከም ዝሕተቱ ዝፍለጥ እዩ። እንተኾነ ግና፥
ሚኒስተራት ብስራሕ ኣብ ዝገሹሉ እዋን፥ እቲ መልሲ ብሓደ ወይ ክልተ ሳምንታት ክደናጐ እቲ ሕጊ የፍቅድ እዩ።
"እዚ ኣኽብሮት ዝጎደሎ ኣገባብ እዩ። ኣባላት ባይቶ ብኸምዚ ኣገባብ ክተሓዙ ኣይግባእን እዩ። ሕጊታት ነውጽኦም ምእንቲ
ክንስዕቦም እዩ። ተዘይኮይኑ ዋጋ የብሉን። ኲሉ ሕቶታት ኣብ ግዜኡ ክምልስ ይግብኦ እዩ" ክብል ኣባ ባይቶ ኒክላስ ካርልሰን ን
ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ።
ሚኒስተር ስቫንሰን ብወገና ኣርባዕተ ሕቶታት ኣባላት ባይቶ ተቐቢላ ምህላዋ፡ እንተኾነ ግና ክሳብ ዕለት 26 መልሲ ክትህብ ከም
ዘይትኽእል ሓቢራ’ላ።