ካብ ሰልፊ ሞደራትና ዝኾነት ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን ኤልሳቤጥ ስቫንሰን፡ ትማሊ ረቡዕ ምስ ወከልቲ ዝዓበያ ሰንሰለታት
ሱፐርማርኬታት ሽወደን ተራኺባ። ዕላማ ናይቲ ምርኻብ ብዛዕባ ዝንህር ዘሎ ዋጋ መግቢ ንምዝርራብ እዩ ኔሩ።
ሚኒስተር ኤልሳቤጥ ዋጋታት መግቢ ኣብ ዝንህሩሉ ግዜ፡ ሓለቓታት ገዚፍ ወሰኽ ደሞዝ ይረኽቡ ምህላዎም ከም ዘሰከፋ ገሊጻ።
ንሳ ኣብ ኲሉ ጽፍሕታት ሓላፍነት ክቕድም ይግባእ ክትብል ን ተሌቪዥን ሽወደን ኣተሓሳሲባ’ላ። ኤልሳቤጥ ምስ ኣካየድቲ ስራሕ
“ኩፕ”ን “ኣክስ ፉድን” ዝገበረቶ ርክብ ቅንዕና ዝመልኦ ምንባሩ ድሕሪ ምግላጽ፡ እንተኾነ ግና ዋጋታት መግቢ በዚ ዘለዉዎ
መጠን ክውስኹ ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ከም ዝነገረቶም ሓቢራ። እዚ ርክብ ዋጋታት መግቢ ከም ዝጎድሉ ኣብ ምግባር፡ ዝኾነ
ጭቡጥ ስጒምቲ ኣይወሰደን። በዚ ድማ መንግስቲ ኣብዘን 90% ቀረብ ሱፐርማርኬትን ግሮሰሪን ዝገብራ ኲባንያታት ክትትሉ ከም
ዝቕጽል፡ ኣብ ቀረባ ሳምንታት ከኣ ኣኼባ ክገብረለን ምዃኑን ተፈሊጡ’ሎ። ክሳብ እዚ ዝኸውን ንምዕባለ ዋጋታት መግቢን
ዝቕጽል ናይ ዝቕባበ መጠንን ክትከታተል ምዃና ኤልሳቤጥ ሓቢራ።
ምስ ዝሓለፈ ወርሒ እንክወዳደር ዋጋታት መግቢ ሽወደን 21% ምውሳኾም ጸብጻባት ስታቲስቲክስ ሽወደን የመልክቱ። ዋጋታት
መግቢ ኣብተን ካልኦት ሃገራት ኖርዲክ ክንዲቲ ናይ ሽወደን ወሰኽ ዘይምርኣዩ ብተወሳኺ ኣዘራራቢ ኮይኑ’ሎ።
እዚ እናኾነ ኣካያዲት “ኩፕ” ማሪ ኒግረን ኣብ ልዝብ ከም እትኣምን፡ እቲ ርክብ ከኣ ሃናጺ ምንባሩ ድሕሪ ምግላጽ፡ ምኽንያት
ናህሪ ዋጋ መግቢ ንምፍላጥን ፍታሕ ንምንዳይን ድሌት ከም ዘለው ገሊጻ’ላ።