ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ሽወደን ሚካኤል ዱምበርግ ኣብ ስልጠና ፖሊስ ሰፊሕ ሃጓፍ ምህላዉ ብሓፈሻ ቊጽሪ ፖሊስ ምስቲ ዝድለ ፈጺሙ ዘይመጣጠን ምዃኑ ከም ዘሕዘኖ ገሊጹ። ካብዞም 1020 ባዶ ቦታታት ስራሕ ፖሊስ ኣብዚ ወርሒ ጥሪ 651 ነዚ ስልጠናታት ዝወስዱ ሕጹያት ከም እተረኽቡ ግቡእ መርመራ ድሕሪ ምውሳዶም 413 ባዶ ቦታታት ምህላዎም ዘመልክት እዩ፥ እዚ ድማ ዓብዪ ሃጓፍ እዩ ክብል እቲ ሚኒስተር ንሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ’ሎ። ንህሉው ሸቶታት መንግስቲ ብምርቋሕ ድማ እዚ ጽቡቕ ጸብጻብ ኣይኰነን ኢሉ’ሎ።
መንግስቲ ካብ 2016 ክሳብ 2024 ኣብ ዘሎ ግዜ ቊጽሪ ሰብመዚ ፖሊስ ናብ 10 ሽሕ ንምዕባይ መደብ ከም ዝነበሮ ድማ ኣመልኪቱ። ኣብ ቀረባ ዝተረኽቡ ኣሃዛት ስታቲስቲክስ ከም ዘመልክትዎ ሓይሊ ፖሊስ ኣብዚ ዓመትዚ 31,728 ሰራሕተኛታት ከም ዝነበሮን ካብዚኣቶም ኣብ 2019 ኣስታት 20,423 ፖሊስ ምንባሮምን ኣመልኪቱ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣባላት ፖሊስ 3500 ዝኾኑ ኣባላት ምውሳዂን እቶም ኣዝዮም ዝበዝሑ ሲቪላውያን ሰራሕተኛታት ምዃኖም ድማ ተገሊጹ። ዝሓለፈ ዓመት ነዚ ሓሙሽተ ናይ ፖሊስ ስልጠና ሓላፍነተን ዝኾኑ ሰብመዚ እዚ ስልጠና ሰሓቢ ንኽኽውን መንግስቲ እዂል ስራሕ ዘይምዕማሙ ነቐፌታኦም ኣንቢሮም ኣለዉ።