ንኣተሓሕዛ ቅልውላው ኮሮና ቫይረስ ኣመልኪተን ገለ ሃበራት ብዛዕባ ሽወደን ዝዛረበኦ ዝነበረ ቃና ቅሩብ ዝለወጣ’ኳ እንተመሰላ፡ ምስሊ ሽወደን ግን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን፡ ኣን ሊንዲ፡ ሓቢራ። ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ዶባተን ዓጽየን ዝነበራ መብዛሕትአን ኤውሮፓውያን ሃገራት ኣብ’ዚ ሕጂ ኣዋን ዶኣባተን ንክኸፍታ ይዳለዋ ኣለዋ። ገለ ሃገራት ግን ነቶም ካብ ሽወደን ዝመጽወን ገያሾ ክቕበላ ቅሩባት ከምዘይኮና ገሊጸን። ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ሃገራት ዓለምና ኣብ ልዕሊ ሽወደን ንዘለወን ኣጠማምታ ንምምሕያሽ ቀጻሊ ጻዕርታት ከምዘካይድን ሓባራዊ ዝኾነ ምስ ሃገራት ኖርዲክ ዶባታ ናይ ምኽፋት ተኽእሎታት ኣብ ምንዳይ ከምዝርከብን ሎሚ ንተለቪዥን ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ሊንዳ፡ ሓቢራ።
ሃገረ ቆብሮስ፡ ካብ ዕለት 19 ሰነ ጀሚራ ዶባታ ነቶም ካብ 19 ሃገራት ዝመጹ በጻሕቲ ክፉት ክኸውን ምዃኑ ሓቢራ’ኳ እንተኾነት ሽወደን ግን ኣብቲ ዝርዝር ኣስማት ናይተን ዝተጠቕሳ ሃገራት ከምዘየላ ተፈሊጡ ኣሎ። ነዚ ጉዳይ ኣመልኪታ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሽወደን ዝኾነት ሊና ሃሊንግሪን፡ ቆብሮስ ንሽወደናውያን ምፍላያ ዘሕዝን እዩ ክትብል ቅሬታኣ ገሊጻ። ዝተፈላለያ ሃገራት ኣንጻር ሽወደን ናይ ምፍልላይ መስርሕ ዘካይዳ ዘለዋ ይመስላ’ዶ ንዝብል ሕቶ፡ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኣብ መንጎ እቶም ሓቀኛ ረቛሒታት ብሓደ ሸነኽ፡ ክተጓናጽፎ ትምድብ ፖለቲካዊ ረብሓታትን ብኻልእ ሸነኽ ዘለዉ ፍልልይ ብዕቱብ ክሓስባሉ ይግባእ ክትብል ሊንዳ መሊሳ። ብዙሓት ናይ ጉዕዞ ኩባንያታት ብሰንኪ ሽወደን እትኽተሎ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ቅልውላው ኮሮና ቫይረስ ኣብ ጽላታት ቱሪዝም ጽልዋ ከይፈጥረሎም ስክፍታታት ከምዝነበሮ ገሊጾም ነይሮም።