ፎክ፡ ተመሳሳሊ ፍልስፍና፣ ኣረኣእያን ኣነባብራን ዘለዎም ህዝብትታ፤ ሎር፡ ናይዞም ህዝብታት ነፀብራቕ ድማ ባህሎም እዩ፤ ስለዚ ፎክሎር ህዝብታትን ባህሎምን ብምባል ክንገልፆ ንኽእል።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህር ፎክሎርን ስነ ፅሑፍን ኣለማየሁ ሃብተ፡ ንሽዱሽተ ዓመት ኣብ ዘካየድዎ መፅናዕትን ምርምርን ኣብ ትግራይ ኣብዚ ዓውዲ ፈላሚ መጽሓፍ ኣሐቲሞም።
ኣለማየሁ ብተወሳኺ ብመፅናዕቲ ስነ ሰብእ (ኣንትሮፖሎጂ) ሕፁይ ዶክተር እዮም።
መምህር ኣለማየሁ ናብ ሕብረተሰብ ዘሊቖም ናብ ግራት ወሪዶም ያታን ቅያን ህዝቢ ኣድቂቖም ዘፅንዑ ምሁር እዮም።
ነቲ መጽሓፍ ንምስንዳእ ድማ ብርክት ዝበሉ መጽሓፍቲ ኣንቢቦም እዮም። ኣብ መወዳእታ እቲ ሕዚ ዝተሓተመ መጽሓፍ እኳስ፡ ኣብ 19 ገጻት 475 መወከሲ ተዘርዚሮም ኣለዉ።
ምስቲ ፈላሚ ስራሕ ምዃኑ ንካልኦት ተተካእቲ ተመራመርቲ ብዝጠቅም ብልዑል ጥንቃቐ ከም ዝፀሓፍዎ ይገልፁ።
“ፎክሎር ምስ ስነ ሰብእ፣ ብዋናነት ምስ ባህሊ፣ ምስ ምዕባለ፣ ምስ ኩነታት ኣነባብራ ሕብረተሰብ፣ ምስ ስነ ፅሑፍ ዝተሓሓዝ እዩ፤ ዳርጋ ኣብ ኩሎም ዓይነታት ሞያ ዘለዉ ሰባት ክጥቀምሉ ይኽእሉ እዮም” ኢሎም መምህር ኣለማየሁ።
መምህር ኣለማየሁ ካብቶም ብርክት ዝበሉ መጽሓፍቲ ካብ ምንባብ ብተወሳኺ፡ ሃገር በቈል ፍልጠት ኣለዎም ዝበሃሉ ሰብ ጸጋ ዕድመ ብምሕታት፣ ባዕሉ እቲ ሕብረተሰብ ፎክሎራዊ ትሕዝቶታት ክፍፅም እንከሎ ብምስታፍን ብዘይ ምስታፍን ዝኣመሰሉ ቅዉም ነገራት ብምክታት ነቲ መጽሓፍ ከምዝሰነዱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ተዛሪቦም።
ብቐንዱ እቲ መጽናዕቲ ኣብ ትግራይ ዘድሀበ ኰይኑ፡ ከምኡ እውን ግን ኣብ ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያ ከም ኣብ በዓል ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ኦሮምያ፣ ኣምሓራን ዝኣመሰሉን ኩሎም ከባብታት ዘለዉ እሞ ድማ ኣድለይቲ ዝዀኑ ምስቲ ርእሰ ነገር ምትእስሳር ዘለዎም ዝበሃሉ ሓሳባት ከምዝተጠቐሙ መምህር ኣለማየሁ ሃብተ ገሊፆም።1
ፎክሎርን ትውፊትን ብምንታይ ይፈላለዩ?
ትውፊት፡ ሓደ ክፋል ፎክሎር ኰይኑ ስነ ቃል ማለት እዩ።
ኣብ ውሽጢ ፎክሎር ሽዱሽተ መጽሓፍቲ ኣለዉ፤ እቲ ሓደ ትውፊት እዩ። ኣብ ገለ መዝገበ ቃላት ንፎክሎር ስነ ቃል ኢሎም ዝትርጉምዎ ሰባት ኣለዉ፤ እዚ ድማ ንፎክሎር ካብ ዘይምርዳእ ዝተበገሰ ምዃኑ መምህር ፎክሎርን ስነ ፅሑፍን ኣለማየሁ ሃብተ ተዛሪቦም።
ፎክሎር ዘካትቶም ዓውድታት
ሃገረሰባዊ ጥበብ ተዋስኦ፡ ሰባት ብምርኢት ጥራሕ ዝገልፅዎም፤ ንዋታዊ ባህልታት፡ ኣነባብራ ሰባት በቲ ዝግልገልሉ ንዋት እዩ ዝግለፅ፣ ሕብረተሰባዊ ልምድታት፣ ትውፊትን ዝኣመሰሉ ሽዱሽተ ዓውድታት ኣብ ፎክሎር ይካተቱ።
ስነ ቃል ኣብ ፎክሎር ይካተት እዩ እንተኢልና፡ 33 ዓይነትታ ስነ ቃል ከምዘለዉ ምሁራት ይገልፁ፤ ሓደ ካብዚኦም መልቀስ ንርአ።
መምህር ኣለማየሁ ነቲ ሃገረሰባዊ ትውፊት ብኣንደበቶም እንትገልፅዎ፡
ኣብ ከባቢ ራያ ሓደ ንሰብ ከዋኒ ዝበሃሉ፡ እሞ ድማስ ሃብታም ምሉእ ዕድሚኦም ሰናይ ሰሪሖም ይሞቱ፤ ኣድሀነ ፈራደ ይበሃሉ።
“ኣድሀና ፈራደ፡ ኣድሀና ፈራደ፡ ኣድሀና ፈራደ
ጥራይኻ ኸ ሓመድ ድዩ ዕደ
መይዳ ራያ ሓሙሽተ ዳፅመደ
ዶጉዓ ራያለ ሓሙሽተ ዳፅመደ
ፈታዊ ታቦት ከም ደጃት ወልደ
ፈታዊ ማሕረስ ከም ደጃት ኣስገደ
ኣይ ብኣኻይዶ ሕጊ ትለመደ
ኣሕዘንኽኒ ኣፈቖላ ዓደ
ሕዚ የኺ ትፋረድኽኒ ብኸብደ
ስብኣይ ደማ ኰፍ ኢሉ ሃምኣሽበድበደ
ኣቦይዝጊ ደኣ ኾይንኹምኒ ደይፍደ” ብምባል ተለቒሱሎም።
መጽሓፍ ፎክሎር፡ መጽናዕቲ ህዝብታትን ባህሎምን፡ ዝተፈላለዩ ኣጋይሽ ኣብ ዝተረኸብሉ ሎምዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣብ ኣዳራሽ ሆቴል ዘማርያስ መቐለ ክምረቕ እዩ።1
ምንጪ: bbc tigrinya