ኣገልግሎት ፖስታ ፖስትኖርድ፡ ንኹሎም ዓማዊሉ ከምዚ ክብል ናይ መጠንቀቕታ መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ። ብስም ኣገልግሎት ፖስትኖርድ፡ ብመንገዲ ደብዳቤታት ይኹን ብኤሌክትሮኒካዊ መልእኽታት ኣቢሉ፡ “ ዝመጸ መልእኽቲ ስለዘሎካ፡ ከይከፈልካ ክትቅበሎ ኣይትኽእልን ኢኻ” ዝብል ሓበሬታ ዝሓዘለ መልእኽቲ ይስደድ ኣሎ። እንተኾነ ግን፡ እዚ መልእኽቲ’ዚ፡ ካብ ኣገልግሎት ፖስታ ፖስትኖርድ ከምዘይኮነ እንዳ ሓበርና፡ ዓማዊሉ፡ ካብ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መስርሕ ምትላል፡ክጥንቀቑ ከምዘለዎም ኣዘኻኺሩ።
ከምዚ ዓይነት መልእኽቲ እንተድኣ መጺኡ፡ ናብ ኣገልግሎት ዓማዊል ፖስትኖርድ ብምድዋል ከተረጋግጹ ኩባንያ ሓቢሩ ኣሎ።