ሽወደናውያን ተመራመርቲ: ናይ ፕሮስቴት መንሽሮ መድሓኒት ተጠቂሞም ንሕሙማት ናይ ኮቪድ-19 ክሕክሙ ተስፋ ዝነበሮም እኳ እንተኾነ፡ ሕጂ ክርአ ከሎ ግና ከምዘይሰርሕ ጋህዲ ኮይኑ ኣሎ።
እቲ ዝነበረ ትጽቢት፡ እቲ ሕክምና መጠን ናይቲ ኣብ ሳምቡእ ዝበጽሕ ቫይረስ ክቕንስ ይኽእል እዩ ዝብል ‘ዩ ነይሩ። ይኹን እምበር ድሕሪ እቲ ኣብ ኡምዮን ዮቶበሪን ዩኒቨርስቲታት ዝተገብረ ተወሳኺ መጽናዕቲ፡ እቶም ኣቐድም ኣቢሎም ተራእዮም ዝነበሩ ኣዎንታዊ ውጽኢታት ክረጋገጹ ከምዘይከኣሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
“ብርግጽ፡ ምግዳድ ናይቲ ኮቪድ-19 ንምንካይ ዘኽእል ኣገባብ ክንረክብ ዘይምኽኣልናን እቶም ውጽኢታት ድማ ምስቲ ተስፋ ጌርናዮ ዝነበርና ክልሰ-ሓሳብን ዘይምቅዳዎምን ዘሕዝን እዩ” ክትብል ኣብ ሳህልግሬንስካ ኣካዳሚ ናይ ዮቶቦሪ ዩኒቨርሲቲ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ዝኾነት ካሪን ወልየን ገሊጻ።
ኮምኡ‘ውን “ዝኾነ ይኹን ነገር ‘ይሰርሕ እዩ’ ኢልካ ቅድሚ ምዝራብካ፡ ዑምቈት ዘለዎም መጽናዕትታ ናይ ምግባር ኣገዳስነት ክሳብ ክንደይ ኣድላይ ምዃኑ እዩ ዘርእይ” ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።
እቲ ኮሮና ቫይረስ ናብቶም ዋህዮታት ንኽኣቱ ካብቶም ዝጥቀመሎም ፕሮቲናት እቲ ሓደ: ኤንዛይም ብቴስቶስቴሮን: ኣቢሉ ዝግናሕ ኣብ ምርምራት ናይ ፕሮስቴት ካንሰር ብሰፊሑ ዝፍለጥ ኤንዛይም እዩ። እዚ ድማ እዩ፡ ነቶም ተመራመርቲ ናብቲ መጽናዕቲ ንኽኣትዉ መበገሲ ሓሳብ ኮይኑ ዝደረኾም።
እቲ ቀንዲ-ሓሳብ: ከምዚ ዝብል እዩ ነይሩ፥ እቲ ናይ ፕሮስቴት ካንሰር መድሓኒት: ነቲ ዕዮ ናይቲ ቴስቶስቴሮን ዝዓግት ብምዃኑ፡ ብተወሳኺ ድማ ነቲ ምዕባለ ሕማም ኪቪድ-19 ደው ከብሎ ወይ ድማ ከዳኽሞ ይኽእል ይኸውን እዩ ዝብል እዩ። ኮይኑ ግና፡ ሓንቲ’ኳ ነዚ ሓሳብ ዝድግፍ ኣዎንታዊ ውጽኢት ስለዘይተረኽቦ፡ እቲ መጽናዕቲ ክቋረጽ ከምዝተገብረ ተፈሊጡ’ሎ።