ብመስረት መጽናዕቲ ኣብ ምጉዳል ገበናትን ምውሓስ ጸጥታ ኣብ ሕብረተስብ ዝነጥፍ መንግስታዊ ትካል ብሮ (Brå) ስደተኛን ጠንቂ ምውሳኽ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ሽወደን ከምዘይኮኑ ሓቢሩ። ሽወደን ኣብ 2015 ኣሸሓት ስደተኛታት ብምቅባላ ጠንቂ ምውሳኽ ጸጥታዊ መጥቃዕቲ ከምዘይኮይነን ቀንድ ጠንቂ ምውሳኽ እዚ ገበን ብቀዳምነት ምውሳኽ ድሌታት ወይ ባህጊ ሰባት ንጾታ ምኻኑ እዚ መጽናዕቲ እዚ ትካል ሓቢሩ።
ጎሳጛስ ኣንጻር ጾታዊ መጥቃዕቲ ብመገዲ ሰለማዊ ሰልፍን ካልእ መንገድን ኣፍልጦ ሰባት ኣብ ምዕባይን ሓበሬታ ኣብ መሃብን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረ ብተወሳኺ እዚ ትካል ገሊጹ።