ካብ ሓሙስ ዝጀመረ ኣብ ዝወዓለ ዕዳጋ መሸጣ ብርክታት ኣዝዩ ልዑል ዋጋ ኣውጺኡ ተባሂሉ። OMX ስቶክሆልም ብ 1664.6 ብሚያዝያ ተታሒዙ ዝነበረ ዋጋ ክብ ብምባል ክብረወሰን ሒዙ’ሎ። ብእንግሊዝን ሽወደንን ዝውነን ፋብሪካ መድሃኒት ኣስትራዘነካ ብ 2.6 መሪሑ ምህላዉ፡ድማ ተመልኪቱ። ዓበይቲ ባንካታት ሽወደን ኣብ ብርከን ምውሳኽ ምርኣየን ጥራይ ዘይኮነ ፌደራላዊ ማዕከን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብዚ ዓመት ወለድ ኣይቐርጽን እየ ምባሉ ዓብዪ መኽሰብ እዩ ኔሩ።
ባንክ ሽወደን 1.7 ኖርዲያ 1.3 SEB ከምኡውን ሃንድልባንከን 0.1 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእየን ኣለዋ። ብኣንጻርጅ ዓብዪ ፋብሪካ ብረት SSAB ናብ ክሳራ ምእታዉን 3.3 ሚእታዊት ምንቊልቋል ከም ዘጋጠሞን እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ኣውሮጳውያን ዕዳጋታት”ውን ጽቡቕ ከም ዝሰለጠን እቲ ሃበሬታ የመልክት።