ምምሕዳራት ከተማ ኣብ ምስላጥ ተበግሶታት ፖሊሲ ዕዳጋ ሽቕለት ክሳተፋ ኣለወን ክብል መርመራ መንግስቲ ዛዛሚ መግለጺኡ ኣውጺኡ ኣሎ ክብል ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ።
እዚ መርመራ ኣብ ኣጋጣሚ ጽገና ቤትጽሕፈት ዕዮ ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ ንብሕታውያን ትካላት ብሓደራ ተዋሂቡ ዝጸንሐ ተበግሶታት ኣብ ምስላጥ ክዓያ እዩ። እቲ ኣብዚ ዝተቐልቀለ ሕቶ፡ ምምሕዳራት ከተማ ኣብዚ ጉዳይ እንታይ ተራ ክጻወታ ይኽእላ? ውልቃውያን ኩባንያታት ኣብ ዘይብሉ ቦታታት ኩነታት ስራሕ ከመይ ክኸውን ዝብል እዩ።
ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለ እዘን ምምሕዳራት ከተማ፡ ምስ ንጥፈታት Freedom of Choice Act (LOV) ን Public Collection Act (LOU) ዘይጻረር፡ ኣብ ፖሊሲታት ዕዳጋታት ሽቕለት ተረአን ክጻወታ ምዃነን መርማራይ ማትስ ሩድስትሮም ገሊጹ።
ብመሰረት እዚ መግለጺ ምምሕዳራት ከተማ ምስ ብሕታውያን ኩባንያታት ብምውድዳር፡ ደለይቲ ስራሕ ስራሕ ንኽረኽቡ ዝሕግዞም ተበግሶታት ኣብ ምስላጥ ተረአን ክጻወታ ምዃነን ብተወሳኺ ገሊጹ።
ፖሊሲ ዕዳጋታት ሽቕለት ኣብ መላእ ሃገር ክንሰርሓሉ ኣገዳሲ እዩ” ክትብል ሚኒስተር ዕዮ ኤቫ ኖርድማርክ ትገልጽ።
SKR ውጽኢታት እዚ መርመራ ብጽቡቕ ከም እተቐበሎ ድሕሪ ምግላጹ፡ ነዚ ፖሊሲ ኣብ ምትግባር ዝያዳ ስራሕ ከም ዘድሊ ኣዘኻኺሩ።
ምምሕዳራት ከተማ ካሕሳ ከቕርባ ክኽእላ ምዃነን ኣገዳሲ ምዕባለ እዩ ክብል በዓልመዚ ዕዳጋ ሽቅለት ቤር ኣንደርሰን ይገልጽ። ምምሕዳራት ከተማ፡ 5.5 ቢልዮን ክሮነር ዝመጠኑ ማሕበራዊ ሓገዝ ይህብ ምህላዉ ተሓቢሩ። እቶም ኣሃዛት ከም ዘመልክትዎ እቶም ዛጊት ስራሕ ዘይረኸቡ ጥራይ እዮም ናይዚ ሓገዝ ተጠቀምቲ ኮይኖም ዘለዉ።
ሰልፊ ማእከል፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ጽገና ክግበር እቲ ቀንዲ ወሳኒ ተራ ዝጻወት ምዃኑን ነዚ ውሳነ ድማ ብሓጎስ ከም ዝተቐበሎ ገሊጹ።