መንግስቲ ሽወደን፡ ዘይሕጋዊ ብረትን ነቶግትን ዘሰጋግሩን ዝውንኑን ሰባት ብዝምልከት ዝተረረ መቕጻዕቲ ንኽብየነሎም ናብ ኮሚቴ ሕጊ ሽወደን እማመ ከምዘቕረበ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። እቲ እማም፡ ሓደገኛ ንዝበሃሉ ገበናት ክሳብ ናይ 7 ዓመታት ማእሰርቲ ክብየነሎም ዝብል እዩ። ዘይሕጋውያን ኣጽዋር ኣብ ናይ ገበን ከባቢታት ምርካብ ሓደ ካብቶም ሓደገኛ ገበናት ዝቑጸር ምዃኑ ይፍለጥ።
ናይ ገበን ከባቢታት ዝበሃሉ ከም ናይ ዕጸ ፋርስ ምኻዚኖ ዝጥቀሙሉ ገዛውትን ናይ ገበን ጭፍራታት ዝቕመጥሉን እዩ። ኣብዞም ከባቢታት ዘይሕጋውያን ኣጽዋር ምስ ዝርከብ እቲ ዝብየን መቕጻዕቲ ዝተረረ ክኸውን ይኽእል። እዚ እማመ ምስ ዝጸድቕ፡ እቶም ናይ ገበን ጭፍራታት ኣብ ሽወደን ከምድልየቶም ንኸይንቀሳቐሱ ዕንቅፋት ክኾኖም እዩ። እቲ ክንበጽሖ ዝደለና ዕላማን ድሌትን ድማ እዚ እዩ ክብል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሚካኤል ዳምቤሪ፡ ገሊጹ።
ኣብ ልዕሊ ናይ ኣጽዋር ገበናት ዝውሰድ ስጉምቲ (መቕጻዕቲ) ንኽተርር ዝሓትት እማመ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ብመንግስቲ ዝቐረበ 34 ነጥብታት ዝሓቖፈ ኣንጻር ናይ ገበን ጭፍራታት ዝቐነዐ ፕሮግራም ምዃኑ ይዝከር።
ኣብ ፈለማ፡ ነቶም ብጨካናት ጭፍራታት ዝፍጸሙ ገበናት መሰረታዊ መፍትሒ ምንዳይን ድሒሩ ድማ ኣባላት ፖሊስ ምውሳኽ፡ ዝተመሓየሹ ናውቲ ምዕጣቕ፡ ዝተረሩ ስጉምታትን ምውሳድን እተን ናይ ገበን ጭፍራታት ሓደሽቲ መንእሰያት ንኸይከትባ (ከይዕስክራ) ምክልኻልን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ቁሩብ ካብቶም ቀንድን ኣገደስትን ዝበሃሉ ነጥብታት እዮም። መስርሕ ሕጊ ነቲ ዘሎ ጸገማት ሱር በተኻዊ ፍታሕ ዘምጽእ’ኳ እንተዘይኮነ፡ እዚ ሎሚ ነቕርቦ ዘሎና እማመ ግን ሓያልን ጽኑዕን እዩ ክብል ዳምቤሪ ዘረብኡ ዛዚሙ።