ሓድሽ መንግስቲ ሽወደን፡ ናብ ባይቶ ሽወደን ኣብ ዘቕረቦ ንጒዳያት ወጻኢ ዝምልከት መግለጺ፡ ኲናት ዩክሬይን ኔቶን ኣብ መንጎ
ሃገራት ኖርዲክ ዝህሉ ምትሕግጋዝን ቀንዲ ኣተኲሮ ከም እተዋህቦም ተፈሊጡ። መንግስቲ ናብ ኔቶ ምጽንባር ኣመልኪቱ ኣብ
ዝመጽእ መጋቢት ናብ ባይቶ ንድፊ ኣዋጅ ከቕርብ ምዃኑ፡ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ቶቢያስ ቢልስትሮም ገሊጹ’ሎ። ምስታ “ናይ
ቀረባ መሻርኽትና” ዝበላ ፊንላንድ ዘሎ ርክብ ድሕሪ ናብ ኔቶ ምጽንባር እውን ዝያዳ ዓሚቚ ከም ዝቕጽል ቢልስትሮም ወሲኹ
ኣመልኪቱ።
"እዚ ሽወደን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጒዳይ ሃገራዊ ድሕነትን ፖሊሲ ርክባት ወጻኢን ዓብዪ ለውጢ ምግባራ ዘመልክት
ምዕባለታት እዩ” ክብል ዳይረክተር ትካል ኣህጒራዊ ጒዳያት ሽወደን ያኮብ ሃልግረን ገሊጹ’ሎ።