ሓደሽቲ ስደተኛታት ኣብ ዝቐልጠፈ ስራሕ ንክረኽቡ መንግስቲ ዘውጽኦ ፕሮግራም ምስ ውጥን ምጥያስ ብትሕዝቶ ሓደ እዩ፡ ምንም ሓድሽ ነገር የብሉን ብዝብል ብብርቱዕ ይንቀፍ ኣሎ። ተሳተፍቲ ናይቲ ጽዑቕን ን ዓመት ዝካየድን ፕሮግራም ብዝቐልጠፈ ቋንቋ ሽወደን ዝመልኩሉ ኮርሳት ከምኡ’ውን ናይ ምሉእ እዋን ናይ ተልመዴን ሞያ ከም ዝወስዱ እዩ ዝግበር። እንተኾነ ግና ነቐፍቲ ነዚ ተባሂሉ ዝውሰድ ናይ ስልጠና ኮርስታት ምስቲ ን መጣየሲ ተባሂሉ ንክልተ ዓመት ዝወሃብ ፕሮግራም ምንም ፍልልይ የብሉን፡ ሓደ ዓይነት እዩ ምባሎም ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።