ኣብ ሪክስዳግ ገለ ጒጅለ መንግስቲ ኣብ ለበዳ ኮሮና ዘለዎ ኣታሕዛ ከም ዝነቐፈ ተገሊጹ። እዚ ኮሚተ ቅዋም ዝተሰምየ ጒጅለ ብዘይካዚ ኣብ መንግስቲ ብርክት ዝበለ ወቐሳታት ኣቕሪቡ’ሎ። መንግስቲ ነገራት ደንጒዩ እዩ ዝፍጽም ዘሎን ሓላፍነት ዝወስድ መን እዩ ንጹር ኣይኮነን ዝብሉን ነቐፌታታት ኣቕሪቡ’ሎ።
መንግስቲ ኣብ ኣታሕዛ ለበዳ ኮሮና ዝነኣድ ንጥፈት ኣየርኣየን ዝበለት ካብ ሰልፊ ሞደራትና ካሪን ኤንስትሮም እያ። ንሳ ሓላፊት ኮሚተ ቅዋም ኮይና ብዘይካዚ ኣብ ምምርማር ለበዳ እውን ንኣታሕዛ መንግስቲ ወቒሳ’ላ። ምምሕዳር ከተማታት ኣብ መእለዪ ሽማግለታት ዘለዉ ሰባት ካብ ለበዳ ናይ ምሓላው ዓብዪ ውሳነ ዘይምሕላፉን ሕጊ ለበዳ ኣብ ምእዋጅ እውን ምድንጓዩን ኣልዒላ።
ብሓፈሻ መንግስቲ ብሽዱሽተ ጒዳያት ተነቒፉሎ።
ኣብ መንግስቲ ወሪዱ ዘሎ ነቐፌታ ልዝብ ዝበለ እዩ ክብል ክኢላ ፖሊሲ ፍረደሪክ ፉተንባኽ ን ኤኮት ገሊጹ’ሎ።
ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያት ሽወደን ሌና ሃለንግረን ነዚ ነቐፌታ ብኣንክሮ ከጽንዕዎ ምዃኖም ድሕሪ ምግላጽ ነገራት ብዝተፈልየ ኣገባብን ብዝቐልጠፈን ክትግበሩ ይኽእሉ ምንባሮም ኣመልኪታ።