መንግስቲ ኣብ ገለ ናይ ጽገና ኣገልግሎታት ቀረጽ “ቫት” ክውስኽ ምግባሩ ኣዘራራቢ ኮይኑ’ሎ። እዚ ን ጽገና ብሽክለታ፡ ሳእኒን
ክዳውንቲን ዘጠቓልል ወሰኽ ቀረጽ ቫት ካብ ምጅማር እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ካብ 6 ናብ 12% ክብ ክብል ተጌሩ’ሎ። እዚ
ወሰኽ ቀረጽ ቫት ካብ ትጽቢታ ወጻኢ ምዃኑ ሰራሒት ጫማን ኣደመንበር “ማሕበር ሰራሕቲ ጫማ ሽወደን” ን ካሪና ኤነሮዝ
ትገልጽ።
ኣባል ሰልፊ ሞደራትናን ኣቦመንበር ኮሚተ ፋይናንሳዊ ጒዳያት ባይቶ ሽወደን (ሪክስዳግ) ዝኾነ ድዋርድ ሬይድል Edward እዚ
ወሰኽ ቀረጽ ኣብ ዋጋታት ምንም ጽልዋ ከም ዘይብሉ ገሊጹ። ካብዚ ወሰኽ አረጽ ቫት ዝእከብ ገንዘብ ናብ ኣገልግሎት ፖሊስ፡
ትምህርቲን ክንክን ጥዕናን ማዕከን ክኸውን እዩ ክብል ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።