ካብ ዝመጽእ ሕዳር ጀሚሩ፡ እቲ ንፍቓድ ስራሕ ኹሎም ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ዝመጹ ሰራሕተኛታት ዘድሊ ዝተሓተ ወሰኽ
ደሞዝ፥ ኣብ ግብሪ ክውዕል እዩ። ድሮ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ወነንቲ ፍቓድ ስራሕ፡ ናይ ስራሕ ግዜኦም ንምንዋሕ እንተወሓደ ኣብ
ወርሒ 27,360 ክሮነር ክረኽቡ ከድልዮም እዩ። ሚኒስተር ስደተኛታት ማርያ ማልመር ስቴነጋድ፡ እቲ ለውጢ ኣብቶም ኣብ
ሽወደን ዘለዉን ፍቓድ ስራሕ ከሐድሱ ዘይክእሉን ሰባት ”ዓብዪ ጽልዋ” ክህዎ ምዃኑ ከም እትፈልጥ ትዛረብ።
እንተኾነ ግና መንግስቲ ኣብዚ ሓድሽ ሕጊ ዝኾነ ይኹን ሕድገታት ከም ዘይገብር ብኣጽንኦት ኣስሚሩሉ’ሎ። “ሕድገታት
ዘይንገብረሉ ምኽንያት እዚ እማመ ዝተበገሰሉ ሕጊ ከምዚ ዓይነት ሕድገት ንምግባር ፈቓቕ ስለ ዘይብሉ እዩ። መንግስቲ
ብመሰረት ነዚ ኣብ ባይቶ ዝጸደቐ እማመ ሕድገት ዝገብረሉ ኣገባብ የለን። ብዙሓት ነቲ ሓድሽ ረቛሒታት እንተ ኣማሊኦም
ክጸንሑ ክኽእሉ እዮም። እቲ ዝድለ መጠን ደሞዝ እንተዘይብሎም ግና ክወጹ ክግደዱ እዮም።” ክትብል ስተነጋድ ገሊጻ።
“ርግጽ’ዩ እዚ ውሳነ ኣብ ህይወት ሓያሎ ሰባት ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ ምዃኑ ኣጸቢቐ እግንዘብ እየ። እንተኾነ ግና ነዛ ለውጢ
ፓራዳይም ፖሊሲ ስደት ሕጂ ክንትግብሮ ኣለና። ንሕና ፈጸምቲ ሕድሪ ህዝቢ ሽወደን ኢና። ህዝቢ ሽወደን ካብ ስደት ዝርከብ ዓያዪ
ዓቕሚ ስርዓት ብዘለዎ ኣገባብ ክእለ እዩ ዝደሊ። ኣብ መጻኢ ልዑል ዓቕሚ ኣብ ዝለዎም ሰራሕተኛታት ጥራይ ከነተኲር ኢና።
እቶም ትሕት ኣብ ዝበሉ ጽላታት ዘለኡ ስርሓት በቶም ድሮ ኣብ ሽወደን ዝነብሩ፥ ግን ከኣ ንነብሶም ዘይድግፉ፡ ወይ ብኻልኦት
ዜጋታት ሕብረት ኤውሮጳ ክዕመሙ እዮም ዝብል እምነት ኣሎና” ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።