ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዘመናዊ ዝኾኑ ኣጽዋር፡ ናብ ዩክሬይን ንኽስደድ ንሃገራት ባልቲክ ፍቓድ ከምዝሃበተን ተገሊጹ። እዚ ዝተገልጸ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ናብ ሃገረ ጀርመን ኣብ ዝገበሮ መገሻ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ብዝነበሩ ሰብ መዚ ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ናይ ሃገረ ኣሜሪካ ላዕለዋይ ዲፕሎማት፡ ነቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ትገብሮ ዘላ ምፍርራሓት ንኸህድእ ብዝብል ዕላማ፡ ንሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ምብጻሕ ከምዝርከብ ዝፍለጥ’ዩ። ምስ ሰብ መዚ በርሊን ኣብ ዝነበሮ ርክባት ድማ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ነተን ማሓዙት ሃገራት ባልቲክ፡ ስርሓት ኣሜሪካ ዝኾኑ ኣጽዋር፡ ናብ ዩክሬይን ክለኣኽ ፍቓድ ከምዝሃበተን እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ።
ከም ሓደ ምስ ብሊንከን ናይ ቀረባ ርክብ ዘለዎ ምንጪ እንተኾይኑ፡ እተን ናይ ኤውሮጳ ማሓዙት ሃገራት ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ኮነ ሳምንታት ንዩክሬይን ምስ ጸጥታ ብዝተተሓሓዘ እቲ ዘድልያ ተወሳኺ ሓገዝ ንምሃብ ኣብ ዝኽእላሉ ምዕራፍ ከምዝበጽሓ ተሓቢሩ’ሎ።
ብሊንከን ኣብ በርሊን፡ ካብ ጀርመን፣ ፈረንሳን ዓባይ ብሪጣኒያን ምስ ዝመጹ መዘናታቱ ተራኺቡ ከምዝዘተየ ተፈሊጡ’ሎ። ንሱ ነቲ ናይ ኤውሮጳ መገሽኡ ዝጀመሮ፡ ብሮቡዕ ካብ ኪይቭ፣ ዩክሬይን፡ ኮይኑ ኣብኡ ድማ ንፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪይ ከምዝረኸቦ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ሎሚ ዓርቢ፡ ብሊንከንን ናይ ሩስያ መጻምድቱ ዝኾነ ሰርጌይ ላቭሮቭን ኣብ ጀኔቫ – ስዊዘርላንድ ክራኸቡ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ። ሓደ ናይ ጉዳያት ወጻኢ ወሃብ ቃል ከምዝበሎ እንተኾይኑ፡ ክልቲኦም ብዛዕባ “ናይ ጸጥታ ዋሕስን ኣብ ሞንጎ ሩስያን ኔቶን ኣመልኪታ ሩስያ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዕለት 15 ብዛዕባ ዘቕረበቶም ስጉምቲታት ናይ ጸጥታ” ብዝምልከት ብዝርዝር ክማያየጡ ምዃኖም ሓቢሩ’ሎ።
ከም ባህጊ ሩስያ እንተኾይኑ፡ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ፡ ህላወ ናይ ኔቶ ብሓይልታት ምክልኻል እቲ ኪዳን ኣቢሉ ክድልድል ድሌት ከምዘይብላ እያ ኣፍሊጣ። ኔቶ ብወገኑ፡ ነዚ ጉዳይ’ዚ ‘ፍጹም ዘይመስልን ዘይሕሰብን’ ክብል እዩ ዝነጽጎ። ነዚ ዘቕረቦ ምኽንያት ድማ፡ ሕድሕድ ሃገር ምስ መን ክተሓገገዝ ከምዘለዎ ዝፈልጥ ባዕሉ እቲ ሃገር እዩ ዝብል መርትዖ ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።