መንግስቲ ኡጋንዳ፡ ብኣልኮላዊ መስተ ምዝንጋዕ ዝፍቀደሉ ሕጋዊ ዕድመ ካብ 18 ናብ 21 ክብ ከብሎ መደብ ከም ዘለዎ
ኣፍሊጡ። ኡጋንዳ ኣልኮላዊ መስተ ብምህላኽ ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስርዓ ሃገራት ምዃና ጸብጻብ ስታቲስቲክስ ጥዕና ዓለም
2023 የመልክት። ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኡጋንዳውያን ኣብ ዓመት ንሓደ ሰብ ብማእከላይ
ገምጋም 12.2 ሊትሮ ኣልኮላዊ መስተ ይሰትዩ። እዚ ድማ ካብቲ ዓለማዊ ማእከላይ ደረጃ ኣዝዩ ዝለዓለ ምዃኑ ይግመት።
"መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ሓደ ሰብ ክሳብ 21 ዓመት ወልፊ ዝፈጥር ንጥረ ነገር እንተ ዘይወሲዱ፡ ድሒሩ ኣብ ህይወቱ
ወልፊ ዝፈጥር ንጥረ ነገራት ናይ ምጥቃም ተኽእሎኡ ኣዝዩ ትሑት'ዩ" ክትብል ኮሚሽነር ሚኒስትሪ ጥዕና ጥዕና ኣእምሮ፡
ኣልኮላዊ መስተን ንጥረ ነገራትን ዶክተር ሓፍሳ ሉክዋታ ን ቢቢሲ ገሊጻ። ዶክተር ሉክዋታ ወሲኻ፡ "መንእሰያት ዝወስድዎ ዘለዉ
መጠን ንጥረ ነገራት ዘሰንብድ እዩ" ኢላ’ላ።
ባይቶ ኡጋንዳ ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝቐርብ እማመ ምቁጽጻር ኣልኮላዊ መስተ፡ ብዛዕባ ገደብ ዕድመን ኻልኦት ክውሰዱ ዝኽእሉ
ዝጒምቲታትን ኣመልኪቱ ክዛተ ምዃኑ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።