መንግስቲ ኖርወይ፡ ኲለን ኣብ ከባቢ ኦስሎፍዮርድ ዝርከባ ምምሕዳራት ጎሓፈን ከጽርያ፡ ከምኡ’ውን ጃላቡ-መዘናግዒ፡ ናይ ጎሓፍ ታኒካታተን ኣብ ፍዮርድ ከየራግፋ፡ ትእዛዝ ክህብ እዩ ተባሂሉ። ካብ ሕርሻን ጎሓፍን ዝወጽእ ትኪ፡ ኣብ ብዝሒ ህይወት ፍዮርድ ኣሉታዊ ተጽዕኖ የሕድር ምህላዉ ዝገለጸት ኖርወይ ቱደይ፡ መንግስቲ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ከባቢ ኦስሎፍዮርድ ዘለዋ ምምሕዳራት ኣብ ጒዳይ ኣተሓሕዛ ኣትክልቲ ዝጸንከረ መምርሒታት ንክክተላ ክእዝዝ እዩ፡ ክትብል ን NRK ዳግስረቭየን ብምጥቃስ ወሲኻ ገሊጻ’ላ። “ቀንዲ ምንጪ ብከላ ካብ ሕርሻን ሰባትን ዝወጽእ ጎሓፍ እዩ። ምምህዳራት ከተማ ነዚ ንምእላይ ክሰርሓ ኣለወን። ነዚ ክዉን ንምግባር ምስኣቶም ብሓባር ክንሰርሕ ኢና” ክብል ሚኒስተር ክሊማን ኣከባቢን አስፐን ባርት ን ን NRK ሓቢሩ’ሎ።