ሚኒስተር ፍትሒን ኢሚግሬሽንን ሞርጋን ዮሃንስ መንግስቲ ንሓተቲ ዕቚባ ዝወሃብ ሕጊ ረድኤት ጹኑቕ ክኸውን ከም ዝደሊ ኣፍሊጡ’ሎ። እቲ ሚኒስተር ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ መንግስቲ ነቶም ኣብ “ከቢድ ምውሳንን ቊጠባዊን ማሕበራዊን ብድሆታት ዘለዎም ከባቢታት” ኣባይቲ ክወሃቦም ዝሓተቱ ሓተቲ ዕቚባ ዝህቦ ሓገዛት ከቋርጾ መደብ ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ። እዚ መንግስታዊ ውሳነ ኣብ 73 ነጥብታት ዝሓዘ ስምምዕ ዝተመርኮሰ ኮይኑ ኣብ መንጐ ሰልፊታትን መንግስቲ ስቲፈን ሉፈን እተኸተመ እዩ። እዚ ዝተገብረሉ ምኽንያት ሓተትቲ ዕቚባ ኣብ ዝያዳ ውሕስነት ዘለዎም ከባቢታት ንኽቕመጡ ንምትብባዕ እዩ ተባሂሉ’ሎ። እቲ ሚኒስተር ኣብ ገለ ከባቢታት ክትነብር ምምራጽ ናብ ዘየድሊ ምግላልን ምምሕዳር ከተማ ዝህቦኦ ድሕነታዊ ሓገዛት ኣብ ምሃብን ዕንቅፋት ክኸውን ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ’ሎ።