ሓድሽ መንግስቲ ክሪስተርሰን ኣብ ሽወደን ብዘይፍቓድ ዝነበሩ ሰባት ምስጓጒ ቀዳምነቱ ክገብሮ ከም ዝደሊ ተሓቢሩ። ፖሊስ ናይ መንበሪ ፍቓድ የብሎምን ኢሎም ንዝጥርጥርዎም ሰባት ወረቐት መንነቶም ናይ ምምርማር ክእለቶም ክዓቢ ዝብል እማመታት እውን ቀሪቡ ምህላዉ–ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ።
መበቈላዊ ሃገራት እዞም ተሰጐጒቲ ክቕበላኦም ፍቓደኛ ስለ ዘይኾና፡ ልዕሊ ፍርቂ ካብዞም ናይ ምስጓጒ ፕሮግራማት ተግባራዊ ከም ዘይኾኑ፡ ን ሓላፊ ፖሊስ ዶባት ከይሳ ቨልደን ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ተተ ጸብጺባ’ላ።