ኣብ ዘተ ፓርላማ ሽወደን፡ ተቛወምቲ ሰልፍታት፡ ንጉዳይ ምቑጽጻር ገበናውያን ጉጅለታት ኣመልኪተን፡ ንመንግስቲ ሽወደን፡ ድኹምን ፍሹልን እዩ ክብላ ነቐፌተአን ኣዝኒበናሉ።
ገበናውያን ጉጅለታት ንምቁጽጻር ብወገን መንግስቲ ዝተገብረ ጻዕሪ፡ ብጀካ ፍሹል፡ ብኻልእ ክትሰምዮ ዘይትኽእል እዩ ክብል ኣባል ፓርላማ ዝኾነ ወኪል ዓቃባዊ ሰልፊ፡ ዮሃን ፎርሺል፡ ንTT ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ።
ገበናውያን ጉጅለታት፡ ንሕብረተ ሰብ ዘበላሽዉ ስለዝኾኑ፡ ጽኑዕን ተሪርን ዝኾነ ስጉምታት ክውሰደሎም ይግባእ። ንዝካየዱ ናይ ጎነጽ ፍጻሜታት ንምግታእ ድማ ፕሮጀክት “ማርሻል” ከነተግብር ይግባኣና ክብል ኣባል ፓርላማ ዝኾነ ወኪል ሊበራላዊ ሰልፊ፡ ዮሃን ፒርሾን፡ ገሊጹ።
ፕሮጀክት “ማርሻል”፡ ብኣሜሪካዊ ጀነራል ዝተዳለወ ቁጠባዊ ፕሮጀክት ኮይኑ፡ ሃገራት ኤውሮፓ፡ ካብቲ ኣጓኒፍወን ዝነበረ ስምብራት ናይ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንኽናገፋ ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዝተዳለወ እዩ።
መንግስቲ ሽወደን፡ ከበድቲ መቕጻዕታት ብምብያ፡ ብዝሒ ኣባላት ፖሊስ ብምውሳኽን ተወሰኽቲ ናይ ቁጽጽር ካሜራታት ብምትካልን ገለ ካብቶም ኣንጻር ንገበናውያን ጉጅለታት ዝወሰዶም ስጉምታት ክዝከሩ ይግባእ ክብል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ሚካኤል ዳምቤሪ፡ ንዝቐረቡ ነቐፌታታት መሊሱ።
ኣንጻር ገበናውያን ጉጅለታት ዝቐነዐ 34 ነጥብታት ዝሓቆፈ መደብ ኣብ ትግባረ ምውዓሉ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፡ ገበናውያን ጉጅለታት፡ ሓደስቲ ኣባላት ንኽዕስክራ ክሳብ ዘይከልከልናየን እዚ ዝግበር ዘሎ እኹል ከምዘይኮነ፡ ዳምቤሪ፡ ኣዘኻኺሩ።
መንግስቲ ሽወደን፡ ኣንጻር ገበናውያን ጉጅለታት ትዕግስቲ ከምዘይብሉ’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ዝተረኽበ ውጽኢት ምስ እንግምግም ግን ዓቕሚ መንግስቲ ድኹም ምዃኑ እዩ ዘነጽረልካ ክብል ዮሃን ፎርሺል መሊሱ። ክሳብ ሕጂ ካብተን ዝተጠቕሳ 34 ነጥብታት፡ ክልተ ጥራይ ኣብ ግብሪ ውዒለን ኣለዋ ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
መንግስቲ ሽወደን ዝጥቀመሉ ዘሎ ኣገባባት፡ ለውጢ ዘምጽእ ኣይኮነን ዝበለ፡ ወኪል ስቬርያ ዲሞክራትና ዝኾነ ኣዳም ማርቲኒን፡ ሽወደን፡ ንእትኽተሎ ዘላ ፖሊስ ስደተኛታት እንተ ዘይቀይራቶን ካብቶም ትቕበሎም ስደተኛታት እቶም ዝስጉጉ እንተዘይበዚሖም ለውጢ ኣይክመጽእን እዩ ይብል።