መንግስቲ ሽወደን ኣብ መንጎ ንኣሽቱን ዓበይትን ከተማታት ዘሎ ፍልልይ ቁጠባዊ ጸጋታት ንምምዕርራይ፣ ብዘንቀሎ ሓሳባት ተመርኩሱ ንዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ መጽናዕቲ ሙሉእ ደገፍ ሂቡ ይሰርሓሉ ከምዘሎ ተሓቢሩ። እዚ ዝተነግረ ኣብቲ መራሕ መንግስቲ ስቴፋንሎቨን ከም ባህሊ ኣበየ ከተማታቱ ዝግበር ናይ ሓጋይ መደረ ወይ ከኣ SOMMARTAL ንተቐማጦ ክሪስተንሃምን ኣብ ዘስምዖ መደረ ተኸቲሉን፣ ብመገዲ ሚኒስተራት
ማሕበራዊ ጉዳያት ሌና ሃለንግረን ከምኡ እዉን ሚኒስተር ሲቪላዊ ጉዳያት ኣርዳላን ሻካራቢ ኣቢሉ ከምዝተዋህበ ተፈሊጡ።
በመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ መንግስቲ ካብ ደሓን እቶት ጸጋታትን ዘሎዎም ክፍላተ ሃገራትን ምምሕዳራትን ሽወደን ዝርከብን ዝዉህለልን ጸጋታት ናብቶም ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣትዊ ዝዋሓዶም ከባብታትን ምምሕዳራትን እዚ ሃገር ዝከፋፈል ናይ 1.6 ቢልዮን
ገንዘብ ከምዝተመደበን፣ እዚ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ጽቡቕ ኣታዊ ዘሎወን ከተማታት ብመንግስቲ ዝስላዓለን ዉጽኢት ምስትኣከበ ንገጠራትን ሓዉሲ ገጠራት ዝኾና ኣታዊ ዝዋሓደን ከባብታት ከምዝከፋፈል ክፍለጥ ተኻኢሉ።
እዚ ንምክፍፋል ሃብቲ ንናኣሽቱ ከተማታት ዝብል መንግስታዊ ተበግሶ፣ ብመተሓባብርቲ መንግስቲ ካብ ዝኾኑ ሰልፍታት ሓደ ሰልፊ ሰንተር ብኣዎንታ ከምዝቕበልዎ ይሕበር።