መንግስቲ ሽወደን ነቲ ኣብ ሶርያን ቱርክን ዘጋጠመ ባህርያዊ ሓደጋ ኣመልኪቱ፡ ንግዳያት ናይ 30 ሚልዮን ክሮና ሰብኣዊ ሓገዝ
ክህብ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እዚ ገንዘባዊ ሓገዝ ግዜያዊ መጽለሊ፡ ዓራውቲ፡ ደረቕ መግቢን ጀነረተራትን ንምግዛእ ክውዕል እዩ።
"ኣብዚ ኣሸጋሪ እዋን ህይወት ብህጹጽ ንምድሓን ዘድሊ መግቢ፡ መድሃኒት፡ ኮቦርታ፡ ፕላዝማን ካልእን ክንሰድድ ኢና" ክብል
ሚኒስተር “ኣህጒራዊ ልምዓታዊ ምትሕግጋዝ” ዮሃን ፎርሰል፡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ’ሎ።