መንግስቲ ሽወደን፡ ኣብታ ሃገር ናብ ዝርከባ መሳጊድ ይዂን ካልኦት ሃይማኖታዊ ትካላት ዝግበር ናይ ወጻኢ ምወላ፡ ደው ከብል ድሌት ከም ዘለዎ ተገሊጹ። እዚ እገዳ ንምወላ ወጻኢ ጥሩፍነት ክኽልክል እዩ፡ ዝብል ተስፋ ተነቢርሉ ምህላው እዩ ዝግለጽ ዘሎ። “ጎነጻውያን ጥሩፋት፡ ከምኡ’ውን ጸረ-ዴሞክራስያዊ ኣረኣእያታት ኣብ ሽወደን ቦታ የብሎምን” ክትብል ሚኒስተር ባህሊ ሽወደን ጀነት ጉስታፍስታተር ኣመልኪታ።
ኣብ ምጅማር እዚ ወርሒ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ’ተን ህዝባዊ ሓገዝ ዝረኽባ ሃይማኖታዊ ትካላት ዴሞክራስያዊ ኲነታት ዘትርር፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሽወደን ንዘለዋ ትካላት ሃይማኖት ተባሂሉ ብ ሃገራት ወጻኢ ዝመጽእ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ደው ክብል ድሌት ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ እዩ።
“ኣተራጉማ ሃይማኖት ብምጽላው ኣብ ሽወደን ጎነጽ ዝውደሰሉ ኲነታት ክፈጥሩ ዝደልዩ ምህላዎም ንፈልጥ ኢና። ነዚ ኣዚና ብዕቱብ ኢና ንከታተሎ” ክትብል ጉስታፍስታተር ገሊጻ’ላ።