“ብዝተኻእለ መጠን ኪባንያታት ካብዚ ቅልውላው ብደሓን ክገላገላ ድሌትና እዩ” ክትብል ማግዳሊን ኣንደርሰን ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጻ። ንስ ኣብቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ “ሽውደን ኣብ ወጥሪ ዝመልኦን ከቢድን እዋን ይጽበያ ኣሎ” ኢላ። እዚ ናይ ቅልውላው ፓኬጅ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትግባረ እንተውዒሉ ክሳብ 300 ቢልጎን ክሮና ክሽፍን ዝኽእል ማል ክሓትት ከም ዝኽእል ድማ ተገሚቱ’ሎ። ሓደ ካብቶም ዝተኣታተዉ ዘለዉ ኣካይዳታት ንሓጺር እዋን ዘገልግል ኣገባብ እዩ።
እዚ ንክሳራ ኲባንያታት ብፍርቂ ከም ዝጐድል ብምግባር ሰራሕተኛታት 90% ካብ ደሞዞም ከም ዝረኽቡ ዝገብር እዩ። ብዘይካዚ መንግስቲ ኣብ ወርሓት ሚያዝያን ግንቢትን ንዝኽሰት ናይ ሕማም ጻብጻባትን ዋጋታትን ብምልኡ ክሽፍን ከም ዝኾነ ተገሊጹ’ሎ። እዚ ድማ ኲባንያታት ናይ ቀርርጽ ዕዳኦም ክሳብ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ዝገብር ብምዃኑ ኣብ ሕውየቶም ኣገዳሲ ተራ ክህልዎ እዩ ተባሂሉ።