ኣብ ሱዳን ዴሞክራስያዊ ምስግጋር ንኽህሉ እሙናት መሻርኽቲ ክንከውን ንደሊ ኢና ክትብል ሽወደን ገሊጻ። መንግስቲ ሽወደን ኣብ ሱዳን ዴሞክራስያዊ ምስግጋር ክህሉ እሙናት መሻርኽቲ ክንከውን ንደሊ ኢና ክብል ገሊጹ። ኣብ ብዙሓት መዳያት ብፍላይ ፍማ ኣብ ሰላምን ግዝኣተ ሕጊን ሽወደንን ሱዳንን መሻርኽቲ ምዃነን ገሊጻ’ላ። እዚ ዝተባህለ ኣብ መንጐ ሚኒስተር ኣህጒራዊ ልምዓት ሽወደን ፒተር ኦልሰን ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣስማ ዓብደላን ኣብ ርእሰ ከተማ ሱዳን ካርቱም ድሕሪ ዝተኻየደ ዘተ እዩ።
ክልቲኦም ሚኒስተራት ክልተኣዊ ዝምድና ሃገራቶም ኣብ መንጐ ሱዳንን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ዘሎ ርክባት ብዛዕባ ዝመሓየሸሉን ልምዓታዊ ሓገዛት ዝቕጽለሉን ኲነታትን ዘትዮም ኣለዉ። ሽወደን ነቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ምርግጋጽ ዴሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ዘርኣዮ ተበግሶ ብምንኣድ ምስ ሃገሩ እምንቲ መሻርኽቲ ክትከውን ባህጊ ከም ዘለዋ ደጊሙ ኣረጋጊጹሉ’ሎ።
ቀዳምነትታ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ብምግንዛብ ኣብ ምስፋን ዴሞክራሲን ምንጋስ ሰብኣዊ ድሕነትን ከምኡ’ውን ናጻን ርትዓዊን ምርጫ ኣብ ምክያድ ሓገዛ ከተበርክት ምዃና’ውን ቃል ኣትዩ’ሎ። መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ህጹጹ ቊጠባዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮን ልምዓታዊ ሓገዝ ክወሃቦ ከም ዝግባእን ድማ እታ ሚኒስተር ኣመልኪታ’ላ። ከምኡ’ውን ሱዳን ካብ ዝርዝር ግብረ-ሽበራውያን ኣመሪካ ክትሕከኽ ሽወደን ተራኣ ክትጻወት ተላብያ’ላ።