.
መንገድታት ኣየር ኣውስትራልያ: Quantas: ከምኡውን Cathy Pacific: ሰራሕተኛታተን ክቱባት ንክኾኑ ጠለብ ከም ዘቕረባን ነዚ ስዒቡ ድማ መንገድታት ኣየር ሲንጋፖርን ማሌዥያን: ሰራሕተኛታተን ምሉእ ብምሉእ ዝተኸትቡ ንክኾኑ ጠሊበን ምህላወን ተሓቢሩ።
ኣብ ሽወደን: ሰራሕተኛታት ንክኽተቡ ዝግደዱ ኣይኮኑን:: እንተኾነ ግና ገለ ሃገራት ኣብታ እትመጸን ነፋሪት ዘለዉ ሰራሕተኛታት: ዝተኸትቡ ክኾኑ ከም ዝሓታ ብምምልካት: መንገዲ ኣየር ሳስ: ነዚ ቅድመ ኩነት ንምፍታሕ: ነቶም ዝተኸትቡ ጥራይ ናብቶም በረራታት ተፋኑ ምህላዋ ተገሊጹ።
እቶም ዘይተኸትቡ ድማ ምኽታብ ከም ቅድመ ኲነት ኣብ ዘይውሰደሉ ቦታታት ከም ዝበራ ይግበር ኣሎ ክብል ኣብ ኩባንያ SAS በዓልመዚ ፕረስ: ጆን ኤኮፍ ኣመልኪቱ።
ኲሎም ሰራሕተኛታትና ን ፕሮግራም ክታበት ብምስዓብ ክትባት ክወስዱ ነተባብዖም ኢና፥ ከነገድዶም ግና ኣይንደሊን ኢና” ክብል ወሲኹ ኣረዲኡ።
ካብ መንገዲ ኣየራት ኣመሪካ UA: ኣብ ወርሒ ነሓሰ ነዚ ኣገዳዲ ሕጊ ምውጽኡ: መንገዲ ኣየር ሃዋይ ድማ ነዚ ምስዓቡ ዝፍለጥ እዩ።
99% ካብ ኣባላቱ ምሉእ ክትባት ዝረኸቡ መንገዲ ኣየር ሲንጋፖር ንባሕቲ መስከረም: ናይ ግዜ ገደብ ምቕማጡ ገሊጹ’ሎ። መንገዲ ኣየር ማሌዥያ ብወገኑ 95% ካብ ኣባላቱ ምሉእ ክትባት ምርካቦም ሓቢሩ።