ሱመሪያን፦ እዚ ቋንቋ ፈለማ ብዝሰፍሐ ዝተዘርበሉን ዝተጻሕፈን ኣብ መሶፖታሚያ ኣብ ካልኣይ ሚለንዩም ቅድሚ ልደተ-ክርስቶስ እዩ። ኣጸሓሕፋ ሱመሪያንስ ‘ኩኔፎርም’ እዩ ዝበሃል ዝነበረ። እዚ ቃላት እዚ ዝተፈላለየ ሓበርቲ፡ ኢድዮግራምን ዝተፈላለየ ቅርጽታትን ዝሓዘ እዩ። ክኢላታት ስነ-ቋንቋን ስነ-ምድርን፡ ኣብ ሰዋስውን ኣተሃናንጻ ምሉእ ሓሳባትን ናይዚ ቋንቋ ወትሩ ምስ ተኸራኸሩ እዮም። ኣብ ዓለም ነዚ ቋንቋ’ዚ ዝፈልጡ ሰባት ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። ልክዕ ከም ካልኦት ቋንቋታት፡ ቋንቋ ሱመሪያንስ ብምጽቃጥን ብምፍኳስን ካልእ ትርጉም ናይ ምፍጣር ክእለት ኣለዎ። ብቕድሚኦም ወይ ብድሕሪኦም ቃላት ወሲኾም ድማ ካልእ መልእኽቲ የመሓላልፉ። መበቆል ናይዚ ቋንቋ ክሳብ ሕጂ ብንጹር ክፍለጥ ኣይተኻእለን ዘሎ።
ኣይኑ፦(Ainu) ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ጃፓን ኣብ ደሴት ሆኪያዶ ዝርከቡ ደቀባት እዮም። ኣይኑ፡ ኣብ ደሴታት ጃፓን እቶም ናይ መጀመሪያ ሰባት ከምዝዀኑ ይፍለጡ። እዞም ሰባት እዚኦም ብቛንቋ ይኹን ባህሊ ካብ ጃፓናውያን ፍልይ ዝበሉ እዮም። ዘርኢ ናይቶም ኣብ 14,500 ዓመተ ምህረት ቕድሚ-ልደተ ክርስቶስ ናብ ደሴታት ጃፓን ዝመጹ ጆሞን-ጂ ዝተባህሉ ሃደንቲ ከምዝኾኑ ድማ ይፍለጥ።
ኣብ ምጥፋእ ዝርከብ ቋንቋ ኣይኑ፡ ናይ ጽሑፍ ስርዓት የብሉን። ብልምዲ ድማ ብናይ ጃፓን ፊደላት ክጸሓፍ ተለሚዱ። እዚ፡ ነቲ ቋንቋ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ከምዝኸውን ጌርዎ ኣሎ።
ሲሰል፦ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ደሴት ሲሲሊ ዝርከቡ፡ ብሲሱሊ ዝፍለጡ ጥንታውያን ቀቢላታት ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ቋንቋ እዩ። ሲሱሊ፡ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ ሲሲሊ ዝነብሩ ሰለስተ ደቀባት እዮም። ሲሱሊ፡ ካብቶም ኢንዶ ኣውሮጳዊ (IndoEuropean) ቋንቋ ዝዛረቡ ዝነበሩ ተባሂሎም ይግለጹ’ዮም። እዚ ይኹን ደኣ‘ምበር ብሰንኪ ጭቡጥ መርትዖ ምስኣን መደምደምታ ኣይተገብረሉን ዘሎ።
ህዝቢ ሲሱሊ፦ ካብ ከባቢ ኢጣልያን ላቲኡም ተባሂሉ ካብ ዝፍለጥ ከባቢን ከምዝመጹ ይፍለጥ። እዞም ህዝቢ ናቶም ፍሉይ ቋንቋ፡ ባህሊ፡ ሃይማኖትን እምነትን ኣለዎም። ቋንቋ ህዝቢ ሲሱሊ፡ ግሪኻዊ ስርዓተ ኣጸሓሕፋ ክሳብ ዝተኣታቶ ብስሩዕ ኣይተጻሕፈን። ካብቲ ዝተጻሕፈ ድማ ሒደት ጽሑፋት ጥራይ’ዩ ተሪፉ ዘሎ።
ቪንካ፦ እዚ ቋንቋ ብተወሳኺ ብ’ ‘Old European.” ይፍለጥ። እዚ ቋንቋ እዚ ካብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤውሮጳ፡ ካብ ኢደ ስርሓትን ምልክታትን ከምዝመጸ ይፍለጥ። እዚ ምልክታት’ዚ ሓደ ካብቶም ቀዳማይ ስርዓት ኣጸሓሕፋ ዓለም ምዃኑ ይንገረሉ። እዚ ቋንቋ ምናልባት ቅድሚ ሱመሪያን ኩኒፎርም መጺኡ ከይከውን ኣጠራጣሪ’ዩ።
ምልክት ናይዚ ቋንቋ ኣብ ምዕራብ ሮማኒያ ፈለግ ዳኑበ፡ ብህዝቢ ቪንካ ተታሒዙ ኣብ ዝነበረ ከባቢ፡ ካብ 6000- 3000 ዓመተ ምህረት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ እዩ ተረኺቡ። በዚ ቋንቋ ሓበሬታ መሰረት ባህሊ ናይቶም ነበርቲ ከመይ ከም ዝነበረ ክፍለጥ ተኻኢሉ እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ስርሓት ውሑዳት ጽሑፋት ጥራይ ብምርካቦም፡ ነዚ ቋንቋ ክገልጹ ዝኽእሉ ምልክታት ኣይተረኽቡን።
ሁሪያ፦ እዚ ኣቐዲሙ ዝጸነተ ቋንቋ ኰይኑ፡ ኣብ ግዝኣት ሂቲቲ ዝነበረ እዩ። ተመራመርቲ ከም ዝገልጽዎ፡ ተዛረብቲ ቋንቋ ሁሪያ ካብ ከባቢታት ኣርመኒያ ከም ዝመጹን ደሓር ኣብ ካልኣይ ሚለኒዩም ቅድሚ ልደተክርስቶስ ናብ ከባቢታት ሞሶፖታሚያን ኣናቶሊያን ከም ዝተሰደዱ ይሕብሩ። ቅድሚ ግዝኣት ኣሲሪያን፡ ሁሪያ ናይ ንግስነት ሚታኒ ቋንቋ’ዩ ዝነበረ።