መሸጣ ብርኪ ስቶክሆልም ኣብ ኣህጒራዊ ዕዳጋታት ኤኲቲን ኣመሪካን ክዝሕትል ምጅማሩ ተገሊጹ። ብምኽንያት ንግዳዊ ምውድዳራት ኣመሪካን ቻይናን ዝሓለፈ ሳምንታት ዓለማዊ መሸጣ ብርኪ ምስ ካልኦት ብምውድዳር ድኽመት ምርኣዩን ሎሚ ንግሆ እዚ ኣጸቢቑ ከም እተጋህደን ተፈሊጡ።
መሸጣ ብርኪ ኣብዚ ሰሙን ብ 0.7 ሚእታዊት ጐዲሉ ምጅማሩ ድማ ተገሊጹ። ኣብቲ መመልከቲ ካብ ዘለዉ 30 ዓበይቲ ኲባንያታት 29 ኲባንያታት ብ 2 ሚእታዊት ጐደሎ ምርኣየን ድማ ተፈሊጡ። ሰኑይ ንግሆ ናይ ኤስያ ብርኪ ብናህሪ ምጒዳሉ፥ እዚ ድማ ብብርኪታት ኣውሮጳ ከም ዝተኸተለን ከኣ ተፈሊጹ’ሎ።
ኣብ መንጐ ቻይና ኣመሪካን ዝተወዓውዐ ኲናት ንግድ ኣብ መሸጣ ብርኪታት ኣሉታዊ ጽልዋ የሕድር ምህላዉ ይፍለጥ እዩ።