መሸጣ ክዳውንቲ H&M ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ተዓጽዩ ድሕሪ ምጽናሕ ዱካናውቱ ክኸፍት ጀሚሩ’ሎ። ካብተን 5000 ዱካናውቱ 1500 ዝኾና ኣህጒራውያን ዱካናት ተዓጽየን እየን ጸኒሐን። “ሰብመዚ ብዝሃቡና ለበዋ ኢና ዱካናትና ክንከፍት ጀሚርና ዘሎና። ኲነታት በዳህቲ ምዃኖም ይርዳኣና እዩ፥ ይዂንምበር ኣብ ግሪኽ ላክሰምበርግ ማሌዥያን ኒውዚላንድን ዝርከብ ዱካናትና ከፊትና ኣሎና ክብል እቲ ኲባንያ ንኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ’ሎ።
ብግንቦት 7 ኣብ ዝተቕንዐ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ኣኼባ 3050 ዱካናት ምዕጻወንን ፍርቀን ዝኾና ኣብ ቀረባ ሳምንታት ከም እተኸፍታን ዝፍለጥ እዩ። ለበዳ ኮሮና ኣብ ዕዳጋ እቲ ትካል ብዙሕ ሃስያ ምምጽኡ ዝጠቐሰ እቲ ትካል ኣብ ገሊኡ ቦታታት ዛጊት እቲ ጥቡቕ መምርሒታት ይትግበር ምህላዉ ኣመልኪቱ። “ውሕስነት ብዝምልከት ዘሎ ኣሰራርሓ ካብ ዕዳጋ ናብ ዕዳጋ ይፈላለ እዩ። እቶም ሰብ መዚ ብዝህቡኻ ለበዋ ኢኻ ትምራሕ። እዚ ይዂንምበር ጥዕናን ውሕስነትን ሰራሕተኛታትና ዝለዓለ ቀዳምነትና ኮይኑ እዩ ጸኒሑ” ክብል ኣብ መወዳእታ ኣጠቓሊሉ።