መስርሕ ፍርዲ ናይቲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ማልም ክልተ መማህራን ብምቕታል እተኸሰ ወዲ 18 ዓመት ተመሃራይ፡ ትማል ረቡዕ ከም እተጀመረ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ።
ጠበቓ ተኸሳሲ ዓሚሉ ነዚ ቅትለት ከም ዝወዓሎ ክእመን ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። እዚ መንእሰይ ገበነኛ ኮይኑ እንድሕሪ ተረኺቡ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ሰፊሕ መርመራ ስነልቦናዊ ሓበሬታ ገበነኛ ንኽግበር ትእዛዝ ከመሓላልፍ ከም ዝኽእል ይግለጽ ኣሎ። እዚ እንድሕሪ ተጌሩ፡ እቲ ገበነኛ ኣብ ክንዲ ማእሰርቲ፡ ኣብ ትካል ጥዕና ኣእምሮ ግዱድ ክንክን ክወሃቦ ይኽእል እዩ–ብመሰረት ሬድዮ ሽወደን።