ተመራመርቲ ኣርጀንቲና መርዕድ ዝሰመይዎ በላዕ ስጋ ዝዓይነቱ ሽክና ዳይናሶር ምርካቦም ቢቢሲ ሓቢራ። እዚ ቀርኒ ዘለዎ ሉካልካን ኣሊዮክራኒዬስ ብዝብል ሳየንሳዊ ስሙ ዝጽዋዕ ዳይናሶር ቊመቱ 5 ሜትሮ ከም ዝበጽሕን ቅድሚ 85 ሚልዮን ዓመታት ኣብ ጐላጒል ኣርጀንቲና ይነብር ምንባሩን እቶም ተመራመርቲ ገሊጾም ኣለዉ። እዚ ዳይናሶር ብናይ ድሕሪት መሓውሩ ደው ኢሉ ዝኸይድ ምንባር፥ በንጻሩ ናይ ቅድሚት መሓውሩ ሓጸርቲ ምንባረን ብሓፈሻ ምስ T-Rex ዝተባህለ ዓሌት ዳይናሶር እንክወዳደር ብ ዕቤቱ ኣብ ማእከላይ ደርጃ ዝስራዕ ምንባሩ ተመልኪቱ። ክንደቱ ክሳብ 5000 ኲንታል ይበጽሕ ምንባሩ ዘመልክተ እቲ ሓበሬታ ኣብ ጥቓ ሽክና “መርዕድ” ካልኣ ኣዝዩ ዓብዪ ተረፈኣካል ዳይናሶር ተረኺቡ ኣሎ ኢሉ።