ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሽወደን ዝርከባ ኣሃዱታት ሓለዋ ጥዕና፡ ብጸቕጢ ናይቶም መርመራ ኮሮና ክገብሩ ዝደልዩ ብዝሒ ሰባት፡ ይሳቐያ ከምዘለዋን ከም ሳዕቤኑ ድማ መርመራ ክገብር ዝደሊ ሰብ ንነዊሕ እዋን ክጽበ ስለዝግደድ፡ ዘተኣማምን ውጽኢት መርመራ ንምርካብ ኣሸጋሪ ይኸውን ኣሎ ክብሉ ጸብጻባት ደህሳስ መርበብ ሓበሬታ TT ገሊጾም።
ኣብቲ ዝተኻየደ ዳህሳስ፡ ኩለን ከባቢታት ሽወደን፡ ማለት 21 ከባቢታት፡ ከም ዝተሳተፋን፡ ተጽዕኖ ናይ መስርሕ መርመራ ወላ’ኳ ከቢድ እንተኾነ፡ ብጽቡቕ ይሰላሰል ኣሎ ክብላ እተን 20 ገሊጸን።
እተን ምምሕዳራትን ከባቢታትን፡ ነቲ ብብዝሒ ተመርመርቲ ኮሮና፡ ተፈጢሩ ዘሎ ጸቕጢ ኣፋዂሰን ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ክሳብ ዝበጽሓ፡ ግዜ ክወስደለን እዩ። ንዝርገሐ መርመራ ኮሮናን ቐዳምነታት ተመርመርቲ ምልላይን ብዝምልከት፡ ምዝርራብ ይቕጽል ኣሎ ክብል ኣብ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ክኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝኾነ ኣንድሽ ቲግኒል ኣረጋጊጹ።
ብቫይረስ ከም ተለኸፍካ ዘተኣማምን ውጽኢት ንምርካብ፡ ሕማም ምስ ተሰማዓካ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወይ ሰለስተ መዓልታት ክትገብሮ ይግባኣካ። ብድሕሪ’ዚ ዝግበር መርመራ ግን ትርጉም ኣይክህልዎን እዩ ክብል ቲግኒል ወሲኹ ገሊጹ።