መራሕቲ ሃገራት ኤዉሮፓ ብሰንኪ ኮቪድ 19 ስዒቡ ኣብ ኤዉሮፓ ተፈጢሩ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልዉላዉ ንምሕዋይ ዘኽእል ሓባራዊ ማዕከን ገንዘብ ከቑሙን ፣ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ከኣ ብብዕቕማ እበርጅቶ ክገብራን ከምዝተሰማምዓ መራሕ መንግስቲ ስቴፋን ሎቨን ሓቢሩ።
ንሱ ድሕሪ እቲ ብመገዲ ቪድዮ ኮንፈረንስ ዝተኻየደ፣ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኤዉሮጳ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ሃገራት ኤዉሮጳ ቁጠበኤን ናብ ንቡር ክምለስን፣ ብፍላይ ከኣ እቲ ሃስያ በብሃገኡ ስለዝፈላለ መን እንታይ ይግበኦ ቅጥዕታት ክወጾ ምዃኑ ኣመልኪቱ። በዚ ለበዳ ዝተሃሰያ መብዘሕተን ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ኤዉሮፓ ዘሎዋ ሃገራት፣ ኣቐድም ኣቢለን እዉን፣ ብቁጠባዊ ቅልዉላዉ ተሃሲየን ምጽንሐን ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ካብዚ ሕጂ ናይ ሓባር ማዕከን ገንዘብ ክዋሃበን እንከሎ ብሓገዝ ዘይኮነስ፣ ብመልክዕ ልቓሕ ክዋሃበን ከምዘሎወን፣ ናይ ሽወደን መርገጺ ምዃኑ፣ መራሕ መንግስቲ ስቴፋን እረዲኡ።