ናይ ሕጂ ፖሊሲ ፍልሰት፡ ስድራ ቤታት ንትሕቲ ዕድመ ደቀን ኣቐዲመን ናብ ሽወደን ብምልኣኽ ብዝቀለለ መንገዲ ክጥርነፋ ከም ዝኽእላ ዝእንፍት ብምዃኑ ስድራ ቤታት ንኽበታተና ዘተባብዕ እዩ ክትብል ኣደ-ወንበር ዲሞክራስያዊ ክርስትያናዊ ሰልፊ፡ ኢባ ቦሽ ሶር ነቲ ፖሊሲ ወንጂላቶ። ቀንዲ ዘረባኣ ነቶም ብዕላማ ፍልሰት (ስደት) ንትሕቲ ዕድመ ደቆም ነባርነት ንምርካብ ናብ ሽወደን ድሕሪ ምልኣኾም ጸኒሖም ክስዕብዎም ኢሎም ንዝሓስቡ ስድራ ቤታት ኣመልኪታ ቅድሚ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር፡ ኦምዩ፡ ዝሰላሰል ጉባኤ ሃገራዊ ሰልፊ ምስ ሬድዩ ሽወደን (Ekot) ኣብ ዝገበረቶ ሓጺር ርክብ ገሊጻ።
እቲ ጉባኤ፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝዝቲ ኮይኑ ከም ቀንዲ ኣርእስቲ ግን ብዛዕባ ጉዳያት ፍልሰት፡ ምልማንን ፈጣናት ባቡራትን ክዝቲ እዩ። ብተወሳኺ እቲ ሰልፊ ብመንገዲ ሽማግለ መራሕቲ ሰልፊ ዝቐረበ 290 እማመታት ከጽንዕ ምዃኑ ሬድዩ ሽወደን (Ekot) ኣዘኻኺሩ።