ሽወደን ብእትኽተሎ ፖሊሲታት ኣጉሊሑ ብምርኣይ፡ ብሩህ መጻኢ ሕብረተሰብና ንምውሓስ ፖሊሰታት መንግስቲ ንሽወደናውያን ኣብ ቅድሚት ዝሰርዕ ክኸውን ከምዝግባእ መራሒ ሰልፊ ስቨርያ ዲሞክራትና፡ ጂሚ ኦኪሶን ሓቢሩ። ቅልውላው ኮሮና ቫይረስ፡ ንነብስና ባዕልና ደኣ እምበር ዝኾነ ግዳማዊ ሓገዝ ከምዘይንረክብ ኣርእዩና እዩ። ስለዝኾነ ድማ ንዓለም ምድሓን ዝብል ኣተሓሳስባ ሽወደን ክተርፍ ይግባእ ክብል ገሊጹ። ኦኪሶን ምስ ካልኣዩ ኣባል ሰልፊ SD ዝኾነ ሰብ ኣብ ሓደ ካብ ዓምድታት ጋዜጣ ኦፍቶብላደት ዝጸሓፍዎ “ ቀዳምነት ብዛዕባ ሽወደናውያን ንሕሰብ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣስፊሮምሉ
• መንግስቲ ጸረ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ዝወሰዶ ስጉምቲ ድኹምን ዝዶንገየን ምንባሩ፡ ከምሳዕቤኑ ድማ ቁጽሪ ብሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ክነጻጸር እንከሎ ኣብ ሽወደን ዝለዓለ ኮይኑ። • ኣብ ሽወደን ዝወረደ ቁጠባዊ ሃስያ እቲ ቀንዲ ጠንቁ፡ ሽወደን ትጥቀመሉ ዘላ ናይ ስደተኛታት ፖሊሲ ምዃኑ
• ጸረ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ዝርርባት፡ ንጉዳይ ተኣፈፍቲ ማሕበራዊ ስግኣታት ኣብ ግምት ከእቱ ይግባእ። ብዝሒ ገበናትን ድኽመት ጸጥታዊ ውሕስነትን ቅቡል ብዘይኮነ መንገድታት መለለይ ሕብረተስብና ኮይኖም ኣለዉ።
• ቀጻልነት ናይ ስደተኛታት ተወሳኺ ሸኸም ናይቲ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብና ዘሎ ጸገም ኮይኖም ኣለዉ። • ቱርኪ ኣብ ልዕሊ ዶባት ኤሮፓዊ ሕብረት ትገብሮ ዘላ ተጻብኦታት
• ኤውሮፓዊ ሕብረት ካብ ሽወደን ተወሳኺ ክፍሊት ናይ ምሕታት መደቡ ፖሊቲካውያን ሓይልታት ኣንጻር እዞም ዝተጠቕሱ ነጥብታት ሓቢረን ክሰርሓ እንተዘይኪኢለን፡ ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና ብተዓጻጻፊ ክጸልወና እዩ ክብል ኣብ መደምደታ ጽሑፉ ኣስፊሩ።