ኲነታት ጸጥታ ሽወደንን ኣውሮጳን ኣብ ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ዝነበሮ ኣብ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ኲነታት ምህላዉ ተገሊጹ። ኣብ
መንጎ ሩስያን ሃገራት ምዕራብን ዘሎ ወጥሪ ብስንኪ ኲናት ዩክሬይን ኣዝዩ ና ዝለዓለ ጠርዙ በጺሑ ምህላዉን እዚ ድማ ን ጸጥታዊ
ኲነታት ኣውሮጳ ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ ኲነታት ኣውዲቕዎ ምህላዉን ኣገልግሎት ወተሃደራዊ ስለያን ድሕነትን ሽወደን ኣብ ዘቕረቦ
ዓመታዊ ጸብጻቡ ኣመልኪቱ።
እዚ ይዂንምበር ሽወደን ናብ ኔቶ ሕቶ ኣባልነት ካብ እተእቱ ንደሓር ካብ ብዙሓት መሻርኽቲ ናይ ድሕነት መረጋገጺ ከም እተዋህባ
እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።