ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ሸወደን፡ ሕጽረት GPs ከም ዘሎን እዚ ሽግር ኣብ ዝቕጽላ ዓመታት ክጋደድ ከም ዝኽእልን፡ ሬድዮ ሸወደን ዘሳለጠቶ ሓደ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። ሓደ ዶክተር ሽወደን ንኽንደይ ሕሙማት ክኣሊ ኣለዎ ዝብል መምርሒ፡ ነተን ክንክን ጥዕና ዘሳልጣ ዞባታት ሽወደን ተወሳኺ GPs ንክረኽባ ጸቕጢ ዝፈጥር እዩ ተባሂሉ’ሎ። “እንድሕሪ ጠለብ ኪላታት GP ክትሽፍን ደሊኻ፡ ባዕልኻ ከተሰልጥኖም ኣሎካ” ክትብል ኣብ ኒሸፒን እትሰርሕ ዶክተር ስቲና ሸል ገሊጻ’ላ።