ኣብ መወዳእታ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ስልጠናኦም ሓንሳብ ክፍሊት እተቐበሉ ሕጹያት ፖሊስ፡ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝኾነ ወሰኽ
ደሞዝ ከም ዘይተገብረሎም ተገሊጹ። በዚ ድማ ሎሚ ዘለዉ ተዓለምቲ ምስቶም ኣብ 2002 ዝነበሩ ሕደ ደሞዝ ይኽፈሉ
ኣለዉ።
"እዚ ርኡይ ጌጋ እዩ" ክብል ሕጹይ ፖሊስ ማርቲን ኣሃንግ ሊንበርግ፡ ን ሬድዮ ሽወደን P4 ቻነል “ስዩሃራድ” ገሊጹ። ነዚ ጒዳይ ምስ
በዓልመዚ ፖሊስ ሽወደንን “ሕብረት ፖሊስ” ን ኣልዒልዎ’ሎ።
ንሱ ናብ P4 ቻነል “ስዩሃራድ” ኣብ ዝለኣኾ ናይ ኢሜይል ጽሑፍ፡ በዓልመዚ ፖሊስ ሽወደን ኣብዚ ጒዳይ ኣብ ክንዲ ን ሓደስቲ
ፖሊስ፡ ነቶም ታዕሊም ዝወድኡ ቀዳምነት ምሃቦም ከም ዝገለጹሉ ሓቢሩ’ሎ።