ዕንባባታት፡ ዝበዝሑ ግዜያት ከም መግለጺ ህያብ እዮም ዝውሰዱ። በዚ ምኽንያት’ዩ ኣብ መመረቕታ፡ መርዓ፡ ቀብሪ፡ መዓልቲ ፍቑራት፡ ምፍናውን ካልኦት ኣጋጣሚታትን ሰባት ነንሕድሕዶም ክወሃሃቡ ዝርአ። ዕንባባታት፡ ከም መግለጺ ጽቡቕ ነገር ክዀኑ እንከለዉ፡ በብዘለዎም ሕብርታት ግን ዝተፈላለዩ ትርጕም ስለዝህቡ ክንጥንቀቕ ይግባእ። ኣብ ገለ ገለ ሕብረተሰብ ዝጥቀሙዎ ሕብርታት ዕንበባ፡ ንጽቡቕ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣብ ገሊኡ ሃገራት ግን ብኣንጻሩ ከም መግለጺ ሕማቕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ክሪዛንቲሞ፡ ግላዲዮሊ፡ ከምኡ’ውን ጻዕዳ ዕንበባ ከም መግለጺ ሓ ዘ ን ኰይኑ’ዩ ዘገልግል።
በዚ ምኽንያት ድማ’ዩ ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ኣብ እዋን ቀብሪ ዝርአ። ካርኒቺኖ ዓይነት ተኽሊ ዕንበባ፡ ኣብ ሃገራት ጀርመንን ፈረንሳን ከም መጸባበቒ ወይ መማዕረጊ መቓብር ኰይኑ ዘገልግል። ኣብ ሃገረ ቻይና ሕቋፍ ጻዕዳ ዕንበባ፡ ኣብ ፈረንሳ ድማ ካርኒቺኖ፡ ከም ህያብ ንሰብ ምሃብ ‘ጋሕ በል’ ዝብል መግለጺ ይህብ። ዕንባባታት ከም ህያብ ምብርካት ጽቡቕ’ኳ እንተዀነ፡ ትርጕሙ ፈሊጥካ ምሃብ ግን ዝበለጸ እዩ።
ኣብ ሃገራት ሩስያን ኢራንን ብጫ ዝሕብሩ ዕንበባ፡ ከም መግለጺ ጽልኢ’ዩ ዝውሰድ። ኣብ ሃገረ ጥልያንን ብራዚልን’ውን ሊላ ዝሕብሩ ዕንበባ መግለጺ ሕማቕ ዕድል ምዃኑ ይፍለጥ። ቀይሕን ሮ ዛ ንዕንበባ፡ ኣብ ጀርመንን ጥልያንን ካልኦት ዝበዝሓ ሃገራትን ከም መግለጺ ፍቕሪ ይውሰድ።
ኣብ ሃገረ ቸክ-ሪፖብሊክ፡ ብሓፈሻ ዕንበባታት ከም ፍቕራዊ ህያብ ይውሰዱ። ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ከም ፈረንሳን ኣርመኒያን ምሉእ ቊጽሩ ዕንበባ መግለጺ ሓጐስ ክኸውን እንከሎ፡ ጎደሎ ቊጽሩ ዕንበባ ድማ ከም መግለጺ ሓዘን ኰይኑ የገልግል። እዚ ይኹን ደኣ’ምበር ኣብ ሃገራት ቻይናን ታይላንድን ጎደሎ ቊጽሪ ከም መግለጺ ጽቡቕ ዕድል፡ ብኣንጻሩ ድማ ምሉእ ቊጽሪ ከም መግለጺ ሕማቕ ዕድል ይቚጸር።