ሕቡራት መንግስታት ን ምሕያር ልእልቲ ለጢፋ ዱባይ ኣመልኪቱ ምስ ሰብመዚ ኢማራት ክዝቲ እዩ ተባሂሉ። ብመሰረት ልእልቲ ለጢፋ ኣቦኣ ካብ 2018 ኣትሒዙ ነታ ከተማ ገዲፋታ ክትወጽእ ብምፍታና ጅሆ ከም ዝሓዛ እያ ትዛረብ። ንሳ ንቢቢሲ ኣብ ዝለኣኸቶ ሚስጢራዊ ቪድዮታት ንህይወታ ከም እትፈርሕ ገሊጻ’ላ። በዚ ድማ እቲ ጒዳይ ኣቓልቦ ንኽረክብ ካብ ኣህጒራዊ ማሕብረሰብ ብዙሕ ጻውዒታት ምኽታሉ ተፈሊጡ። ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ን ኢማራት ብዛዕባ ደሃይ ጓሎም ክሓቶም እየ ኢሉ’ሎ። ብመሰረት ሓደ ኣፈኛ ጒጅለ መርማሪት ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ዝለኣኸቶ ቪድዮ ድሕሪ ምትንታን ኣብቲ ጒዳይ መርመራ ምግባር ክጅምር ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጒዳያትን ልምዓትን ብወገኑ በቲ ጒዳይ ከም እተሻቐለ፥ ብቐጥታ’ውን ኣይዂን ነቲ ጒዳይ ክከታተሎ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ኣቦ ለጢፋ ሸኽ መሓመድ ቢን ራሺድ ኣልመክቱም ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዝሃብተሙ መራሕቲ ሃገራት ኮይኑ መራሒ ዱባይን ምክትል ፕረዚደንትን ኢማራትን እዩ። ንሱ ዋላኳ ኣዝያ ዓባይ ከተማ ኣብ ምህናጽ እንተተዓወተ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ዝጻወርን መሰል ደቀንስትዮ ዝሕሉን ስርዓት ከም ዘይኮነ ግና ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰልት ይኸስዎ። ልእልቲ ለጢፋ ብሓገዝ መሓዙታ ካብታ ከተማ ሃዲማ ኣብ ለካቲት 2018 ሓድሽ ህይወት ክትጅምር ምፍታና ናብዚ ዘላቶ ማሕዩር ከም ዘብጽሓ እያ ትዛረብ። “መኪና ክዝውር ይዂን ካብ ዱባይ ወጺአ ክዛወር ኣይፍቀደለይን እዩ” ክትብል ቅድሚ ንምምላጥ ምውሳና ሓንቲ ቪድዮ ፈንያ ኔራ።