ኣርባዕቲአን የማናይ ቀጽሪ ዘቑማ ሰልፊታት ዝፈጥራኦ ጥሙር መንግስቲ፡ ኣብ ጒዳይ ስደተኛታት ጽንክር ዝበለ ፖሊሲ ክኽተል ከም ዝኽእል ተገሊጹ። እዚ እናኾነ፡ ሃገራዊ ሰልፊ ዴሞክራሲ ሽወደን፡ ኣካል እዚ ዝቐውም ዘሎ መንግስቲ እኳ እንተዘይኮነ ወሰንቲ ፖሊሲታቱ ናብዚ ሓድሽ መንግስቲ ክኣትዉ ከም ዝገብር ይግለጽ ኣሎ። ገለ ካብ እማመታቱ፡ ሽወደን እትወስዶም ሓተትቲ ዕቚባ ምስ ናይ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝተሓተ መጠን ከም ዝስተኻኸል ምግባር፡ ንወጻኢ ዝግበር ሓገዝ ምጒዳል፡ ከምኡ’ውን ዜጋታት ክኾኑ ሕቶ ዘቕርቡ ሰባት ረቑሒታት ቋንቋ ሽወደንን ሓፈሻዊ ሲቪካዊ ሕቶታት ከማልኡ ዝብሉ እዮም። ብፍላይ ኣብ ዙርያ ሕቶ ዜግነት፡ ጽንክር ዝበሉ ሕጊታት ክሰዓቡ እዚ እማመ ኣጽንኦት ሂቡ’ሎ። ሓደ ካብዚ ድማ፡ ኣመልካቲ ሕቶኡ ንኽሓልፍ ኣብ ሽወደን ብውሕዱ ን 8 ዓመታት ዝተቐመጠ ክኸውን ዝድንግግ እዩ።
“ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ኣመና ብዙሕ ሰደተኛ ተቐቢልና ኢና፡ ከምዚ ዝበለ ቊጽሪ እናተቐበልካ ምኻድ ዘላቕነት ክህልዎ ከም ዘይክእል፡ ኲሎም ሽወደናውያን ከም ዝሰማምዑሉ ኣይጠራጠርን እየ። ሱር በተኽ ለውጢታት የድልየና ኣሎ” ክብል መራሒ ሰልፊ ሞደራትና ኡልፍ ክሪስተርሰን ን ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ’ሎ።