ኣብ ሕግታት ሳጹን ሽቕለት ኣልቦነት (a-kassa) ዝተኣታተዉ ዘለዉ ለውጥታት፡ ነቶም ከም መተካእታ (vikariat) ወይ ድማ ብሰዓታት(timanställning) ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰባት ስራሕ ደው ኣብ ዝብልሉ ግዜ ካሕሳ ሽቕለት ኣልቦነት ንኽረኽቡ ከኽእሎም እዩ። ነዚ ጉዳይ ከተጽንዕ ብመንግስቲ ዝተመዘዘት፡ ማርያ ሂሚንግሶን፡ መሰል ካሕሳ ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ኣታዊታት እምበር ኣብ ሰዓታት ስራሕ ዝምርኮስ ክኸውን የብሉን ከምዝበለት TT ሓቢሩ።
ክፍሊት ካሕሳ ምስ ሰዓታት ስራሕ ስለዝዛመድ እቶም ዝተቖራረጸ ውሑድ ሰዓታት ዝሰርሑ ሰባት ካሕሳ ሽቕለት ኣልቦነት ኣይረኽቡን ኣለዉ። ነዚ ምርኩስ ብምግባር፡ ማርያ፡ እቲ ክፍሊት ካሕሳ ኣብ ኣታዊታት ዝምርኮስ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እማመ ዘቕረበት። ካብ ወሃብቲ ስራሕ ምስክርነት ካብ ምጽባይ እቲ መስርሕ ብኸምዚ ኣገባብ ብዝቐለለ መንገዲ ክሳላሰል ይኽእል ትብል። ዝበዝሐ ካብ ስራሕ ደው ዝበለ ሰብ ካሕሳ ሽቕለት ኣልቦነት ምእንቲ ክረክብ መንግስቲ ነዚ ዓይነት መጽናዕቲ ክካየድ መምርሒ ኣመሓላሊፉ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ጸብጻብ ውጽኢት ናይቲ መጽናዕቲ ቅድሚ 15 ሰነ ክቐርብ ምዃኑ ይንገር። ክፍሊት ካሕሳ ዝግበኦ መጠን ኣታዊ ክንደይ ምዃኑ ማርያ ኣይገለጸትን።