ሚኒስተር ኢመግረሽን ማርያ ማልመር ከምዝሓበረቶ ካብ 1 ጥቅምቲ 2023 ጀሚሩ ብናይ ስራሕ ፍቓድ ናብ ስዊድን ምምጻእ ዝምልከት ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ድሞዝ ናይ 13000 ክሮነር ብዕጽፊ ብምውሳኽ ዝኾነ መንበሪ ፍቃድ ብምኽንያት ስራሕ ዘመልክት ሰብ ደሞዙ 26650 ክኽውን ከምዝተወሰነ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጣ።
እዚ ማለት ነቶም ትሑት እቶት ዘለዎ ስራሕ ዝሰርሑ ከም ናይ ጽሬት ስራሕተኛታትን ናይ ቤት መግቢ ሰራሕተኛታትን ዝጸልው ኮይኑ ነቶም ክኢላዊ ዓቕሚ ዘለዎም ግን ክትንክፎም ከምዘይኮነ ወሲኻ ገሊጻ።
እዚ ሕጊ እዚ ካብ ዕለት 1 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ተግባራዊ ከምዝኸውን እውን ወሲኻ ሓቢራ ኣላ።